ረብሓ ወይስ ክሳራ

ነገረ መለኮት·Aug 2, 2023

211 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
2 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት–ሓምለ/ነሓሰ 2015 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን


ረብሓ ወይስ ክሳራ?

ሓንቲ ብሰባት ዝመልአት መርከብ ኣብ ሩባ ሚሲሲፒ ትጓዓዝ ነበረት። ብዙሓት ካብቶም ኣብ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ወርቂ ዝርከበሉ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝምለሱ ማዕድን ሓፋሪታት ነበሩ። ብሃንደበት እታ መርከብ ንሓደ ነገር ወቒዓ ክትጥሕል ጀመረት። እቶም ተጓዓዝቲ መዳሕንቲ ህይወት ሒዞም ነተን ጀላቡ መሊኦምወን። ገሊኦም ድማ ንደሓን ቦታ ንምብጻሕ ናብ ማይ ዘለሉ።

ሓደ ካብቶም ዝዘለሉ ሰባት ናብ ማይ ምስ ኣተወ ከም እምኒ ጠሓለ። ስጋኡ ምስ ተረኽበ፡ ኣፍልቡ ብወርቂ ተመሊኡ ተረኺቡ። እዚ ወርቂ እዚ እቶም ማዕድን ሓፋሪታት ዝገደፍዎ እዩ ነይሩ። ንሒደት ደቓይቕ ዝደለዮ ሃብቲ ኩሉ ነበሮ፡ ግናኸ ህይወቱ ከፊሉሉ። ዋጋኡ ነይሩ ድዩ?

ህይወትካ ብሃብቲ ወይስ ብጥዕና ክትመልእ ትፍትን ኣሎኻ ዲኻ? እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ከጥፍኣካ እዩ። ከመይ ዝበለ ሕማቕ ምርጫ! የሱስ ከምዚ በለ፡ “ሰብ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ? ወይስ ሰብ ንነፍሱ ኣብ ክንዲኣ እንታይ ይሀብ?” (ማርቆስ 8:36-37 NKJV).

እቲ ሕማቕ ዜና፡ ኩላትና እዚ ጌጋ ምርጫ እዚ ምምራጽና እዩ። ኩላትና ንኣምላኽ በዲልና ኢና እሞ ክንመውት ይግብኣና (ሮሜ 3:23)። እቲ ብስራት ግና፡ “ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን ናብ ዓለም ከም ዝመጸ” (1 ጢሞቴዎስ 1:15)። “ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፡ ህያብ ኣምላኽ ግና ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ” (ሮሜ 6:23)።

ሓደ እኳ ንዘለኣለማዊ ህይወት ካብ ምምራጽ ከየዕግተካ። ሎሚ ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻን ጐይታኻን እመን! ከመይ ጌርና ከም ዝኾነ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።

እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ጸጋን ሓቅን