ብኣፍካ ጐይታ የሱስ ምዃኑ እንተ መስከርካ፡ ኣምላኽ ከኣ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ብልብኻ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።» (ሮሜ 10:9)እዛ ፍቕርቲ ጥቕሲ ወንጌል እዚኣ ንኽልተ መሰረታዊ ሓቅታት ተጕልሕ—እዚ ድማ ንወዲ ሰብ ክቕበሎም ኣዝዩ ዘጸግሞም ስጋዌን ትንሳኤን እዮም። ነዘን ትምህርትን ኵሉ ትርጉመን ከይተቐበልካ ድሕነት የለን።
ቅድም ብኣፍና የሱስ ጐይታ ምዃኑ ክንምስክር ኣሎና፡ ማለት እቲ ኣብ በይትሌሄም ዝተወልደ ካልእ ኣይኮነን እሞ፡ ኣምላኽ ብስጋ ዝተገለጠ እዩ። ኣምላኽነት ጐይታ የሱስ ንብምሉኡ መደብ ድሕነት ኣገዳሲ እዩ።
ካልኣይ፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ብልብና ክንኣምን ኣሎና። እዚ ግና ካብቲ ናይ ትንሳኤ ሓቂ ንላዕሊ ትርጉም ኣለዎ። ጐይታ የሱስ ከም ምትካእና ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ የጠቓልል።
ሓጢኣትና ዝግብኦ መቕጻዕቲ ከፊሉ እዩ። ንዘለኣለም ክንጸውሮ ዝነበረና ቍጥዓ ኣምላኽ ጸዊሩ እዩ።
ድሕሪኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ብክርስቶስ ዝተገብረ መስዋእቲ ብምሉኡ ከም ዝተቐበሎ መርኣያ ጌሩ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።
ከም ጐይታን መድሓንን ክንቕበሎ ከለና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንደሕን ይነግረና።
ግን ገሊኦም ሰባት፡ «ስለምንታይ እዩ ምእማን ቅድሚ ምእማን ዝቐርብ? ቅድም ኣይንኣምንን ዲና ድሕሪኡ ኣይንምስክርን?» ኢሎም ይሓቱ ይኾኑ።
ኣብ ጥቕሲ 9 ጳውሎስ ንስጋዌን ትንሳኤን የጕልሕ፡ እሞ እቲ ዝተፈጸመሉ ታሪኻዊ ቅደም ተኸተል ይነግር—ቅድም ስጋዌ ድሕሪኡ ድማ ድሕሪ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ትንሳኤ።
ኣብታ እትቕጽል ጥቕሲ ድማ ምእማን ቅድሚ ምምስካር የንብር። «ብልቢ ንጽድቂ ይእመን እዩ እሞ፡ ብኣፍ ድማ ንድሕነት ይምስከር እዩ።» ኣብዚ እቲ ቅደም ተኸተል ዳግማይ ክንውለድ ከለና ዝፍጸም እዩ። ቅድም ንመድሓኒ ንኣምን እሞ ንጸድቕ። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ዝረኸብናዮ ድሕነት ክንምስክር ንወጽእ።
እታ ጥቕስና ንጹህ ቅልል ዝበለ ትርጉምን ዘይሓልፍ ሓድሽነትን ኣለዋ።
ህጻናት ከምዚ ኢሎም ምዝማሮም ኣየገርምን፦
ሮሜ ዓሰርተን ትሽዓተን ፍቕርቲ ጥቕሲ እያ ንዓይ፤ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ብምምስካር፡ ብመለኮታዊ ጸጋ ድሒነ ኣሎኹ፤ ኣብኣ እቲ ናይ ተስፋ ቃላት ብወርቂ ፊደላት ይበርህ፦ ሮሜ ዓሰርተን ትሽዓተን።





