ብስራት– ጥሪ 2024 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ዘለኣለማዊ ህይወት
ውድድር ፈረሰኛታት እናተኸታተልኩ እናተሓጎስኩ ነይረ።ተዓዘብቲ ንዝፈትውዎም ኣፍራስ የጨብጭቡ ነበሩ። ብሃንደበት ሓደ መንእሰይ ንኣባይ ቀሪቡ፡ ሓንቲ ወረቐት ኣብ ኢደይ ኣትዩ፡ “ዘለኣለማዊ ህይወት” ኢሉ ብሹቕሹቕታ ተዛረበኒ። እንታይ ማለቱ እዩ? ስም ፈረስ ኣይነበረን። ነታ ወረቐት ኣብ ኪሰይ ኣእቲየ ረሳዕክዋ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ዝበለጸ ፈታዊየይ ብሃንደበት ሞይቱ ነይሩ። ንእኡ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ሓሰብክዎ። እንተድኣ ህያው ነይሩ፡ ምሳይ ኣብ ውድድር ፈረሰኛታት ምሃለወ። ሕጂ ግን ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ።
ድሕሪ ግዜ ኣብ ገዛይ ነታ ወረቐት ረኸብክዋ እቲ በጻሒ ዝሃበኒ። ኣብኣ ድማ ኣምላኽ ከም ዝፈትወኒን ሓጢኣተይ ይቕረ ክብለለይን ምሳይ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ክነብር ከም ዝደልን ተማሂረ። ዘይተጠቐምኩላ መጽሓፍ ቅዱሰይ ደሊየ፡ ወንጌል ዮሃንስ ኣንቢበ፡ ከም ሓጥእ ናብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ መጺአ፡ ከም መድሓኒየይ ድማ ተቐበልኩዎ።
ደው ኢልካ ንዘለኣለም ኣበይ ከም እትነብር ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብገዛእ ደሙ ክርስቶስ ንኣና ዘለኣለማዊ ምድሓን ከም ዝረኸበልና ይነግረና፡ እምበኣር ንሕና ዝኣመንና ድማ ተስፋ ዘለኣለማዊ ውርሻ ንቕበል (እብ. 9:12,15)። ነዚ ተስፋ እዚ እንተድኣ ተቐቢልካዮ፡ ናብ ሰማይ እትኸይድ ኢኻ።
ሕጂ ነዚ ቓላት እዚ ናይ ጐይታ ባዕሉ ኣንብብ፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብቲ ንዲያብሎስን ንመላእኽቱን እተዳለወ ዘለኣለማዊ ሓዊ ... እዞም እኩያት እዚኣቶም ናብ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ኪኸዱ እዮም፡ እቶም ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት” (ማቴ. 25:41,46)።
እዚ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት ሓቂ እዩ።ካብ ሓጢኣትካ ተነስሕ፡ ንክርስቶስ ከም መድሓኒትካ ተቐበል፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ናትካ እዩ። ኣብ ሓጢኣትካ እንተድኣ ቀጺልካ፡ ንክርስቶስ ከም መድሓኒትካ እንተድኣ ነጺግካዮ፡ መቕጻዕቲ ንዘለኣለም ናትካ እዩ። ፈታዊ፡ ንዘለኣለም ኣበይ ክትከውን ኢኻ? ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።
እዚ ጽሑፍ እዚ ከም ብሮሹር ካብ ጸጋን ሓቅን።