“እወ”፡ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ምሸት ኣብ ደገ ቤት ጽሕፈቱ ንዝተደቕደቐ መልሲ ይህብ፡ “እንታይ ትደሊ?”
“ኦ! ብዛዕባ ነፍስኻን ዘለኣለማዊ ዕድልካን ንእሽቶ ንምዝራብ ጥራይ እዩ። ግን ስራሕ ከም ዘሎካ ይርኢ ኣሎኹ።”
“እወ፡ ኣዝየ ስራሕ ኣሎኒ”፡ እቲ ነጋዳይ እናበለ፡ ንፋይናንሳዊ ሰነዳቱ፡ ንዝሓለፈ ዓመት ረብሓታቱን ንዝመጽእ ዓመት ዕላማታቱን ይምርምር ነበረ።
እቲ በጻሒ “ሰላም” ንምባል ኢዱ ዘርጊሑ፡ ናብቲ ዝተገረመ ሰብኣይ ቀሪቡ፡ ብኸቢድ ድምጺ ኣብ እዝኑ ሹክ በለ፡ “ሞት እንተ ዝኸውንከ?”
ኣስቸኳሊ ሕቶ
ክቡር ዓርከይ፡
ግዜ ብቕልጡፍ ይሓልፍ ኣሎ፤ ሓድሽ ዓመት መጺኡ። ብዛዕባ ኣምላኽ ንምሕሳብ ግዜ ጌርካ ዲኻ? ነቲ ዝበዝሐ ኣገዳሲን ህይወታዊን ጉዳይ ክትገጥሞ ሓሲብካ ዲኻ?
ዘለኣለማዊ ህይወትካ ኣበይ ከተሕልፎ ኢኻ? ሰማይ ወይ ሲኦል?
ሓቂ ሓጢኣትን ምድሓንን
ሓጢኣት ሓቂ እዩ፡ ካብቲ ምትካእ ሞት ወዲ ኣምላኽ ዝተረፈ ዝኾነ ይኹን ነገር ንጽድቂ ኣምላኽ ንምምላእ ኣይበቅዕን፡ ንሱ ድማ ንስኻ ምሕረት ሓጢኣት፡ ምድሓን፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ብቐሊሉ ብእምነት ኣብ ፍቑር ወዱ ምእንቲ ኺህበካ።
ሓጢኣት ሓቂ እዩ፡ እቲ ብኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዝተዋህበ ፍርዲ ድማ ሓቂ እዩ። ብግዜኡ ነቲ ፍርዲ ክትገጥሞ ክትግደድ ኢኻ። ሓይሊ ሓጢኣት ኣብ ህይወትካ እውን ሓቂ እዩ። ነቲ ሓይሊ እቲ ብሓይልኻ ክትቃለሶን ክትሰግሮን ኣይትኽእልን ኢኻ። መድሓኒት የድልየካ። እቲ መድሓኒት ሕጂ ኣብ ደገ ልብኻ ይደቕድቕ ኣሎ። ቅድሚ ምዝንጋዕካ ክትከፍተሉ ዲኻ? ንሱ፡ እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፡ ንሓጢኣትካ ኣብ መስቀል ከፊሉ እዩ። ካብ ምዉታት ተንስአ እሞ ሕጂ ነጻ ህያብ ዘለኣለማዊ ህይወት ይህበካ ኣሎ። ንሱ ድማ ብቕልጡፍ ክመጽእ እዩ እሞ ክትረኽቦ ክትግደድ ኢኻ።
ወሳኒ ምርጫኻ
ከም መድሓኒትካ ወይ ከም ፈራዲኻ ክትረኽቦ ዲኻ?
መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ
ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን እሞ ክትድሕን ኢኻ (ግብሪ ሃዋርያት 16:31)። ብኣፍካ ንጐይታ የሱስ እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ልብኻ ድማ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ (ሮሜ 10:9)።






