ከምቲ እተጻሕፈ ዘሎ

ነገረ መለኮት·Jul 17, 2023

185 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
1 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት–ሚያዝያ 2016 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን


ከምቲ እተጻሕፈ ዘሎ

ኩነታትና“ከምቲ እተጻሕፈ ዘሎ፡ ‘ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን’ ” (ሮሜ 3:10 NKJV).“ንሕና ዅላትና ኸም ኣባጊዕ ጠፋእና፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ መገዱ ገጽና” (ኢሳ. 53:6).“ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ ኻብ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ነጸለ” (ሮሜ 3:23).

መድሓኒ“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃበ” (ዮሃ. 3:16).“ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን ናብ ዓለም ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ብምሉኡ ኸኣ ኪቕበል ይግብኦ” (1 ጢሞ. 1:15).“ገና ሓጥኣን ከለና ኸኣ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ” (ሮሜ 5:8).

ምድሓኑ“ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፡ ህያብ ኣምላኽ ግና ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ” (ሮሜ 6:23).“ደም የሱስ ክርስቶስ ... ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና” (1 ዮሃ. 1:7).“ብኻልእ ሓደ እኳ ድሕነት የልቦን፡ ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብዚ ስም እዚ ሓሊፉ ንሰብ እተዋህበ ኻልእ ስም የልቦን” (ግብ. 4:12).

ዕድልና

  • “ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን፡ ክትድሕን ኢኻ” (ግብ. 16:31).
  • “ንቓለይ ዚሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ኣይመጽእን እዩ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ግና ተሰጋጊሩ እዩ” (ዮሃ. 5:24).

እተጻሕፈ ዘሎ ተረዲኡካዶ? ክንገልጸልካ ንኽእል ኢና።

እዚ መልእኽቲ እዚ ኸም ብሮሹር (ከምቲ እተጻሕፈ ዘሎ) ካብ ጸጋን ሓቅን ይርከብ።