ጻዕዳ ወርዲ
እታ መንእሰይ ጓል ካብ ወንበር መናፈሻ ተንሲኣ ብቕልጡፍ ናብቲ ሩባ ከደት። ተስፋ ዝቖረጸት ትመስል ስለዝነበረት ድማ ቀረብክዋ።
ዝበልኩዎ
«ይቕረታ፣» በልኩዋ። ንሳ ድማ ብተስፋ ምቑራጽ ዝመልአ ኣዒንታ እናኣንቀሳቐሰት ገጽ ገጻ ጠመተት። «ኣነ ናብ ቤተ ክርስትያን ዝኸይድ ዘሎኹ ሰባኺ እየ። ምሸት ናብ ኣኼባ ክትመጺዶ? ብሓቂ ከም ዝተጨነቕኪ ይስምዓኒ። ካብቲ ፈታዊኺ ክኸውን ዝተዳለወ ኣካል ዕረፍቲ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።»
«ናብ ኣኼባኹም ክኸይድ ኣይደልን እየ! ሃይማኖትኩም ኣይደልን እየ። በይነይ ሕደገኒ!»
ቅድሚ ሕጂ ሓደ ሰብ ጻዕዳ ወርዲ ኣብ ክዳነይ ኣጣቢቑለይ ነይሩ። ኣምላኽ ንሳ ክህባ ከም ዝደለየኒ ተሰምዓኒ። «እዚ ወርዲ እዚ በጃኺ ውሰድዮ። ምናልባት ኣብ ቤተ ክርስትያን ክሕግዙኺ ዝደልዩ ኣዕሩኽ ከም ዘለዉ ከዘኻኽረኪ ይኽእል እዩ።»
«ኣይፋል!» ብቕልጡፍ በለት። ይኹን እምበር... ነቲ ወርዲ ወሰደቶ።
ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ንብዓት ናብ ኣዒንታ ኣምጽኣ። ምስ ከድኩ፣ እንደገና ክትመጽእ ዓደምክዋ።
በቲ ምሸት ንግግረይ ምስ ወዳእኩ፣ እዛ ጓል እዚኣ ካብ ድሕሪት ቤተ ክርስትያን ቀሪባ ብሕዝቢ ከምዚ ኢላ ኣወጀት፦ «ናብ የሱስ ክመጽእ እደሊ። ንሓጥእ ከማይ ከድሕን ይኽእል ይመስለኩምዶ?
ሎሚ ኣብቲ ሩባ ህይወተይ ክውድእ እየ ዝኸድኩ ዝነበርኩ ምኽንያቱ ክቕጽል ኣይከኣልኩን።
ሽዑ ሰባኺኹም ነዚ ጻዕዳ ወርዲ እዚ ሃበኒ። ኣይደለኹዎን፤ ዝሰኣንክዎ ነገር ኣዘኻኺሩኒ። ኣደይ ካብ ገዛ ምስ ወጻእኩ፣ ብዘይ ፍቓዳ፣ ከምዚ ዝበለ ወርዲ ሂባትኒ ነይራ።
ናብ ሓጥእ ኣነባብራ ከይወድቕ እናፈርሐት፣ ኣምላኽ እንደገና ናብ ገዛይ – ድሒነ – ከምጽኣኒ መዓልታዊ ከም እትጽሊ ተዛረበት።
እዚ ጻዕዳ ወርዲ እዚ ናብ ልቦናይ መለሰኒ። እቲ ሰባኺ ንሓጥኣን ዝሕግዝ ኣካል ከም ዘሎ ተዛረበ። የሱስ ክሕግዘኒ ድዩ?»
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል
ንሕቶኣ ምምላስ ኣጸጋሚ ኣይነበረን፣ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሎም እቶም ዝሰምዑ ከምዚ ይብል፦
•«ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ እኳ እንተኾነ፣
ከም ጻዕዳ በረድ ክኸውን እዩ» (ኢሳይያስ 1:18)።
•«ኣምላኽ ግና ገና ሓጥኣን ከሎና፣
ክርስቶስ ምእንታና ብምማቱ፣
ፍቕሩ ኣባና ኣርኣየ» (ሮሜ 5:8)።
•«ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፣
ንበይናዊ ወዱ ሃበ፣ ምእንቲ ሓደ እኳ ዝኣምኖ
ከይጠፍእ፣ የግዳስ ናይ ዘለኣለም
ህይወት ክረክብ» (ዮሃንስ 3:16)።
•«ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፣ የግዳስ
ሓጥኣን ንንስሓ» (ማቴዎስ 9:13)።
•«ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ
ካብ ኩሉ ሓጢኣት የንጽሓና» (1 ዮሃንስ 1:7)።
እታ መንእሰይ ጓል ነዘን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ሰምዐት።
ሽዑ ሓጢኣታ ተናዘዘት እሞ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ብሕታዊ መድሓኒኣ ተቐበለቶ።
ኣብ ክርስቶስ ሓዳስ ፍጥረት ኮነት፣ ቀዳማይ ድሌታ ድማ ናብ ኣደኣ ናብ ገዛ ምኻድ ነበረ።
ካብቲ ናይ ምጥፋእ ሓሳባ ዓመታት ሓሊፉ እዩ፣ ግናኸ ገና ብክርስቶስ ትሕጎስ ኣላ እሞ ብህይወታ ዘሎ ሓይሊ ምድሓኑ ክትነግር ኩሉ ግዜ ትሕጎስ እያ።
ንስኻ እንታይ ትብል?
ተስፋ ክትቖርጽ ዝስምዓካ ግዜ ኣሎዶ? ሓጢኣትካ የሕዝነካዶ? ሰላምን ዕላማን ይጎድለካዶ?
የሱስ ክርስቶስ በይኑ እዩ ኣብ ልብኻ ሰላም፣ ኣብ ህይወትካ ዕላማ፣ ከምኡ’ውን ምስኡ ኣብ ሰማይ ቦታ ክህበካ ዝኽእል። ሓጥእ ምዃንካ ንእኡ ተናዘዝ፣ ምሕረቱን ምድሓኑን ድማ ተቐበል።
ሓድሽ ሰብ ክገብረካ እዩ!





