ብ: ጄ.ቲ. ማውሰን
ስለዚ ኸኣ፡ ኣብኡ እንነብር ወይ ካብኡ እንርሕቕ እኳ እንተ ዀንና፡ ንዕኡ ባህ ከነብሎ ኢና እንጽዕር (2 ቈረንቶስ 5:9)
ንዝዀነ ይኹን ሰብ ባህ ንምባል፡ ክትፈልጦ ኣሎካ። ምስ ጐይታኻ ኸኣ ከምኡ እዩ። ብዙሕ ግዜ ምስኡ እንተ ዘይሓሊፍካ፡ ብቐረባን ጽቡቕን ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንርእስኻ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ክትነብር ኣሎካ። ንስኻ ምእንቲ ክትነብር ኢሉ እንተ ሞይቱልካ፡ እታ እትነብራ ህይወት ንዕኡን ምእንትኡን ክትከውን ኣለዋ።
ሕጂ ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፡ ንሱ ግና ንኣገልግሎትካ የኽብሮ እዩ። ሓደ መንእሰይ ሓው ተንሲኡ፡ ካብ ምሉእ ልቡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ፍቑር መድሓኒ ምስተዛረበ፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ሒደት ቈልዑ ኣኪባ ብዛዕባኡ ምስተዛረበት፡ ንጐይታ ባህ የብሎ። እዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ምሉእ ዋጋ ክህልዎ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ምፍላጡ ክፈልፍል ኣለዎ።
ንሃዋርያቱ ምስተመረጸ፡ ቅድም ንስብከት ክሰዶም ዘይኰነስ፡ ምስኡ ምእንቲ ክዀኑ እዩ ነይሩ፤ ስብከት ድሕሪኡ እዩ ዝመጸ። ፍቕሩ ኻብ ወይኒ ዝበልጸና ምስ ዀነ፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንብጽሕናኡ ምስ እንምነ፡ ንዕኡ ባህ እነብሎ ኢና። ዮሃንስ ርእሱ ኣብ ሕቕፉ ምስ ኣንበረ፡ ንጐይታ ባህ ኣቢልዎ ነይሩ። ሽዑ ኸኣ ኣረጊት ጸጕሩ ጻዕዳ ዝዀነ ሓው ኣይነበረን። ካብ ደቀ መዛሙርቲ ዝነኣሰ እዩ ነይሩ፡ ከምቲ ኽንርእዮ እንኽእል ድማ፡ ሽዑ ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ኣይነበረን። ኣብ ግዜ ጸበባ ኣብቲ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ዘሎ ዝለስለሰ ልቢ ዝሃርም ሕቕፊኡ መጽናዕቲ ረኸበ፡ እቲ ዓቢ ፈተና ምስ መጸ ኸኣ ኩሎም እቶም ዓበይቲ ኣሕዋት ምስ ሃደሙ፡ እዚ ወዲ 20 ዓመት ምስ ሒደት ኣንስቲ ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ደው በለ። ጐይታኡ ኸኣ ንኣዲኡ፡ እቲ ኣዝዩ ክቡር ውርሻ፡ ክእምኖ ኽኢሉ ነይሩ።
ርእስኻ ኣብ ሕቕፉ ኣንብር፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ገበርካ፡ ንዕኡ ክትነብር ኢኻ፤ ፈታዊኡ ክትከውን ኢኻ፡ ንሱ ኸኣ ክእምነካ ክኽእል እዩ፡ እቲ ፈተና ምስ መጸ ኸኣ ክትምስክር ኢኻ፡ ኣገልግሎትካ ኸኣ ንዕኡ ባህ ዘብል ክኸውን እዩ።






