መልእኽቲ ልደት
እዚ ቘልዓ እዚ ንውግእ እተወልደ
“ኵሉ ውግእ ተዋጋኣይ ብጩቕጩቕታን ብደም እተለወሰ ኽዳውንትን እዩ ዚኸውን፡ እዚ ግና ብሓውን ብመውዓሊ ሓውን እዩ ዚኸውን። ቘልዓ ተወሊዱልና እዩ እሞ፡ ወዲ ተዋሂቡና እዩ።” ኢሳይያስ 9:5-6 KJV
እዚ ውግእ እዚ ምስ “ቘልዓ ተወሊዱልና... ወዲ ተዋሂቡና” እንታይ ዝምድና ኣለዎ? ኵሉ! ምምጽኡ ምሉእ ዕላማኡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት፡ ሞትን ገሃነምን ዓወት ንምርካብ እዩ ነይሩ (1 ቈረ. 15:54-57)።
ኵሉ ውግእ ግራንን ደማዊን እዩ፣ ከምኡ ድማ ናይቲ “ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምስክርነት ዝመስከረ” ተዋጋኣይና (1 ጢሞ. 6:13)። ብሓደ ወገን፡ ግራን ጲላጦስ ብሰበይቱ ምስቲ ጻድቕ ሰብኣይ ገለ እኳ ኸይገብር ተዋሪዱ ነይሩ፣ የሱስ ብምቕናእ ከም እተዋህቦ ድማ ይፈልጥ ነይሩ፤ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ንጩቕጩቕታ ህዝቢ ፈሪሑ ንየሱስ ናብ ሞት ፈረዶ።
ክዳውንቲ ክርስቶስ ብገዛእ ደሙ “ተለዊሱ” ነይሩ፣ ከመይሲ ንሕቖኡ ብመግረፍቲ ወቒዖምዎ፣ ጸጉሪ ገጹ ነቒሎምዎ፣ ኣኽሊል እሾኽ ድማ ኣብ ርእሱ ጸቒጦምዎ። እቲ “ውግእ” ግና ኣብኡ ኣይተወድአን፣ ከምቲ ኢሳይያስ ዝተነበዮ ግና፡ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከሎ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትና ነደደ፣ ንሱ ድማ ነቲ ሓዊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊኡ ወሰዶ (ኢሳ. 53:3-12)። ሓጢኣትና እኹል መውዓሊ ነይሩ፡ “ንየሱስ ንርኢ፡ ንሱ ድማ... ብሰሪ ስቓይ ሞት... ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሞት ኪጥዕም” (እብ. 2:9)። እቲ ምንዳድ ምሉእ ነይሩ፡ ኵሉ “መውዓሊ ሓዊ” ተወዲኡ ነይሩ፣ ንሱ “ሓጢኣት ኮነልና... ምእንቲ ንሕና ጽድቂ ኣምላኽ ብእኡ ኽንከውን” (2 ቈረ. 5:21)።
ንእዚ ውግእ እዚ፡ “ቘልዓ ተወሊዱልና እዩ”፤ ንእዚ ዓወት እዚ፡ “ወዲ ተዋሂቡና እዩ።” ምላሽና ምስጋናን ኣምልኾን ኪኸውን ይግባእ።
ብቶም ስቲር