ንመምጻእ ጐይታ ድሉዋት ዲኹም?
ሓደ ተጓዓዛይ ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ ቪላ ኣረኮናቲ፡ ኣብ ገምገም ሓይቕ ኮሞ በጽሐ። ሓደ ገባር ነቲ ከቢድ ማዕጾ ከፈተ፡ ብጽቡቕ ኣታኽልቲ ድማ መርሖ። ሽዑ እዚ ዝስዕብ ዝርርብ ተጀመረ፡
«ክንደይ እዋን ኣብዚ ጸኒሕካ?» እቲ በጻሒ ሓተተ። «ዒስራን ሓሙሽተን ዓመት።»
«እቲ ወናኒ ድማ ክንደይ ሳዕ ንብረቱ ክርኢ መጺኡ?» «ኣርባዕተ ሳዕ።»
«መወዳእታ ግዜ መዓስ መጸ?» «ዓሰርተ ክልተ ዓመት ይገብር። ኣነ በይነይ እየ ዝተርፍ፤ ኣዝዩ ውሑድ ግዜ እዩ ዝኾነ እንግዳ ዝርኢ።»
«ግናኸ ነቲ ኣታኽልቲ ኣዝዩ ንጹህን ምሉእ ብምሉእ ዝተሰርዐን ጌርካዮ ኣሎኻ፡ ሓደ ሰብ ንጽባሕ ነቲ ወናኒ ትጽበዮ ዘሎኻ ዝመስል እዩ።»
«ሎሚ፡ ጐይታይ፡ ሎሚ፡» እዩ እቲ ሽማግለ ዝመለሰ።
ህይወትና ከም ክርስትያናት ከምዚ ክመስል ኣለዎ። ንመምጻእ ጐይታ ሎሚ እናተጸበና፡ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮታት ብእምነት ክንዓዪ ኣሎና። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡
«ጐይታኦም ክመጽእ ዝጽበዩ ሰባት ኩኑ።» (ሉቃስ 12:36)





