ክብሪ ክርስቶስ ንዘለኣለም ይመልእ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዘለኣለማዊነት፤ ኵሉ እቲ ኪኸውን ዘለዎ ዘለኣለማዊነት ብዘይመውት ምስጋናኡ ኪበርህ እዩ፤ ንእቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝሞተ ግናኸ ዝነብር ክብሪ፡ ሓይሊ፡ ምስጋና ይኹን፡ ኣሜን።
ንእቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝበርህ ብዘይተፈጥረ ብርሃን ዝተሰርሐ ክዳን፤ ክብሩ ኵሉ ግዜ ኣብ ልዕሌና ይዓርግ ንዓና ኸኣ ብልዑል ሓጎስ ይመልኣና፤ ንእቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝሞተ ግናኸ ዝነብር ክብሪ፡ ሓይሊ፡ ምስጋና ይኹን፡ ኣሜን።
ንእቲ ዘለኣለማዊ ፍቕሩ እተን ክቡራት ጸጋታት ዝፈሰሳ፡ ኣብ ላዕሊ ክንነብር ዝገበራና፡ ንኣና ኸኣ ናብዚ ባህ ዘብል ቦታ ዝመርሓና፤ ንእቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝሞተ ግናኸ ዝነብር ክብሪ፡ ሓይሊ፡ ምስጋና ይኹን፡ ኣሜን። —ጆሴፍ ስዋይን (1761–1796)






