«ንሕና ግና ብመንፈስ ኣምላኽ እንሰግድ፣ ብክርስቶስ የሱስ እንምካሕ፣ ብስጋ ዘይንውከል ግዙራት ኢና። . . . ግናኸ ንጐይታይ የሱስ ክርስቶስ ምፍላጡ ኻብ ኵሉ ስለ ዚበልጽ፣ ኵሉ ከም ስኢነ ቘጸርክዎ። ምእንትኡ ኸኣ ኵሉ ስኢነ ቘጸርክዎ፣ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ኵሉ ጓሓፍ ጌርካ ይርአየኒ» (ፊልጲ 3:3,8)።ብዙሕ ግዜን ብሓቂን ከም ዝበሃል፡ ሰይጣን ብርእስኻ ብምምስጋን ወይ ብምጽራፍ እንተ ተጸሚድካ ኣይግድሶን እዩ፣ ክሳዕ ክንድዚ ብርእስኻ ተጸሚድካ ዘለኻ።
ምኽንያቱ ካብቲ እትሰርሖ ነገር ዝዓበየ ወይ ዝለዓለ ክትከውን ከም ዘይትኽእል ክትፈልጥ ኣሎካ። ክሳዕ ክንድዚ ርእስኻ ዓይንኻ ዝመልአት እንተኾይና፡ ክርስቶስ ይሽፍን።ብሥጋ ጽቡቕ የለን እንተ ኢልካ፡ ክበሃል ዘለዎ ኵሉ ኢልካዮ ኣሎኻ። ሕጂ ኻብኡ ናብቲ ብምሉኡን ንዘለኣለምን ጽቡቕ ዝኾነ ጐይታ ምምላስን ብእኡ ምጽማድን መሰልካን ፍሉይ መሰልካን እዩ።
ኣብ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ ድምጺ ዘይምትእምማን ምስ ተንቀሳቐሰን ምስ ተሰከመን፡ መንግስቲ ይወድቕ እሞ ሓድሽ ሚኒስትሪ ቦታኡ ይሕዝ። እዚ እዩ እሞ ክትገብሮ ዘሎካ፡ ኣብ ስጋ ድምጺ ዘይምትእምማን ኣንቀሳቕስ። ከመይ ገይሩ ክኸውን ይኽእል? ኣብ መንግስታዊ ወንበራት ምድጋፍ ደው በል፤ ናብ ጐይታ ተመለስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከኣ መሪሕነት ይውሰድ እሞ ካብ ሕጂ ንንየው ይምርሓካ።
ዘይትኣምኖ ሰብ ኣይትኣምኖን ኢኻ። ምስጢርካ ኣይትነግሮን ኢኻ። ህይወትካ ኽመርሓካን ኽቈጻጸረካን ኣይትፈቕደሉን ኢኻ። ግናኸ ነዚ ስጋኸ ከምዚ ኣይገበርካዮን ዲኻ? ካብኡ ድማ ውድቀትን ባርነትን። ኦህ፡ ነቲ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይምጥቃሙ ውሰዶ እሞ ናብ ልቡ ኣእትዎ። ምስ ስጋ ፈጺምካ፡ ኣርሕቖ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣይትዛረቦ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ከኣ ብሓጐስ ናይ መንፈስን ብክርስቶስ ምጽማድን ተመላለስ።
ሽዑ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናብ መደምደምታ ኣምላኽ ከም ዝበጻሕካ ኺርአ እዩ፡ ንግዝረትካ ኸኣ እሙን ክትከውን ኢኻ።





