ቅንዕና ኣይኣክልን እዩ
ምኽንያቱ ብቕንዕና ክትጋገ ትኽእል ኢኻ!
ሓደ ሕሙም ኣብ ሆስፒታል ኒው ዮርክ ንንእሽቶ ቀዶ ጥብያ ይዳሎ ነበረ። እቲ ዝሰልጠነ ሰብ መደንዘዚ ጋዝ ዝተቖጻጸረ ሕዋስ ኦክስጅንን መደንዘዚ ጋዝን ይህብ ከሎ፣ እቲ ታንኪ ኦክስጅን ወድአ፣ ሓድሽ ታንኪ ድማ ተተክአ። ብኡ ንብኡ፣ ከም ጸብጻብ ፖሊስ፣ እቲ ሕሙም ሞተ። እቲ ዝነበረ ሓኪም ቀዶ ጥብያን ሰበ ስልጣን ሆስፒታልን ገለ ዓይነት ሓደጋ ከም ዝኾነ ጠርጠሩ እሞ ንሓኪም ሞት ጸውዑ። ምርመራ ሬሳ ብካርቦን ዳይኦክሳይድ ከም ዝተመረዘ ኣረጋገጸ። ብምርመራ፣ እቲ ዝተተክአ «ኦክስጅን» ታንኪ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከም ዝሓዘ ተረኽበ! እቲ ታንኪ ናብ ሆስፒታል ከይበጽሕ ቅድሚኡ ብጌጋ ተሰይሙ ነበረ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ጌጋ ከመይ ክኸውን ከኣለ? እቲ ኣፍራዪ ቅኑዕ ነበረ። ሰበ ስልጣን ሆስፒታል ቅኑዓት ነበሩ። እቲ ሰብ መደንዘዚ ጋዝ ቅኑዕ ነበረ። እቲ ሓኪም ቀዶ ጥብያ ቅኑዕ ነበረ። እቲ ሕሙም፣ ብርግጽ፣ ቅኑዕ ነበረ።
ሓደ እኳ እቲ ሓደጋ ክኸውን ኣይደለየን። ግናኸ ኵሎም ብዛዕባ እቲ «ኦክስጅን» ብቕንዕና ተጋጊዮም ነበሩ።
እዚ ፍጻሜ እዚ ቅንዕና ጥራይ ከም ዘይኣክል የርኢ። ርግጸኛነት ምስ ቅንዕና ክተሓሓዝ ኣለዎ። ሓደ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፣ «ንሰብ ቅኑዕ እትመስል መገዲ አላ፣ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እያ» (ምሳሌ 14:12)።
ብዙሓት ሰባት፣ «ቅኑዕ እንተኾንኩ፣ ኣብ መወዳእታ ጽቡቕ ክኸውን እየ» ይብሉ – ግናኸ ብቕንዕና ተጋጊዮም እዮም! ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ሓቂ፣ ከምኡውን ብዛዕባ ጥዕና ዝምልከት ጉዳያት ብፍጹም ርግጸኛ ክኸውን ኣለዎ።
ብዙሓት ነገራት ምድሓን፣ ይቕረታ፣ ህይወት፣ ሰላም፣ ድሕንነትን ዕግበትን ብጌጋ ተሰይሞም እዮም። ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ጉዳያት ብፍጹም ርግጸኛ ክኸውን ከመይ ይኽእል? ንኣምላኽ ብቓሉ ብምውሳድ ጥራይ። ካብ ኣምላኽ ዝዓቢ የልቦን፤ ካብኡ ዝሓቂ የልቦን።
የሱስ ከምዚ በለ፣ «ኣነ እየ መገዲ፡ ሓቅን ህይወትን። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ኣይመጽእን እዩ» (ዮሃንስ 14:6)። ንኡ ንምእማን ኵሉ ምኽንያት ኣሎ፣ ምኽንያቱ ንሱ ንሓጢኣትና ኣብ መስቀል ቀራንዮ ክመውት ክሳዕ ዝኸውን ኣፍቂሩና እዩ። ሕጂ ብሓይሊ ዘይውዳእ ህይወት ይነብር እሞ ንኵሎም ብእኡ ናብ ኣምላኽ ዝመጹ የድሕኖም።
ኵሎም ንኡ ጐይታኦምን መድሓኒኦምን ዝገብርዎ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ክብሉ ይኽእሉ፣ «ንሕና … ንኣምንን ንፈልጥን ኢና» (ዮሃንስ 6:69)። ጴጥሮስ ከምኡውን ከምዚ በለ፣ «ብኻልእ ከኣ ምድሓን የልቦን፣ ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብዚ ስም እዚ ሓሊፉ ንሰብ እተዋህበ ኻልእ ስም የልቦን» (ግብሪ ሃዋርያት 4:12)። – ቶም ኤም. ኦልሰን
ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ እንተዘይተቐቢልካዮ፣ ሕጂ ኣይክትገብሮን ዲኻ? ሓጢኣትካ ንኡ ብቐሊሉ ተናዘዝ እሞ ንሱ ካብ ሓጢኣት ከንጽሓካ ስለ ዝሞተ ኣመስግኖ። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ቃል ኣምላኽ ናባና፣ ነቶም ንናይ ኣምላኽ ናይ ምድሓን ዕድል ዝነጽጉ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ከም ዝወርዶም ብመጠንቀቕታት ምሉእ እዩ።
«እቲ ብወዲ ዚኣምን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ፣ እቲ ንወዲ ዘይእመን ግና ህይወት ኣይርእን፣ ግናኸ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር» (ዮሃንስ 3:36)።





