ንፈጣሪና ሰማያዊ ወርቃዊ ሰማያት ሓዲጉ፡ ኣብ ሓደ ብዕንፍሩር ዝመልአ ግምቦት ሕጻን ኪኸውን ከሎ ክሓስብ ከለኹ ... ንሱ ኣብ ወለዱ ኺምርኮስ ከሎ፡ ንዕለት ዕለት ዘድልዮ ነገራት ኪረክብ ከሎ፡ ኣእዳዉ ድማ ንምድሪ ኺድግፋ ከለዋ ክሓስብ ከለኹ ... ብገዛእ ትእዛዙ ስልጣን ዝረኸቡ ወጻእተኛታት ገዛእቲ ኺበድልዎ ከለዉ ክሓስብ ከለኹ ... ኣብ ዝጠፍአ ዓለም ብኸመይ ከም ዝዓየየ፡ ንዓና ድማ ብኣብነቱ ጸቢብ መገዲ ኸመይ ከም እንመላለስ ኬርኢ ከሎ ክሓስብ ከለኹ ... ንሓጥኣን ካብ ላዕሊ ለዋህ ምሕረት ከም ዘምጸአ፡ ንዝኸፍኡ ድማ ብፍቕራዊ ኣእዳዉ ኺትንክዮም ከሎ ክሓስብ ከለኹ ... ቤት ዘይብሉ፡ ርእሱ ዜዕርፈሉ ቦታ ዘይብሉ ኸም ዝነበረ፡ ንሰባት ኪድቅሱ ኸለዉ ድማ ንኣሳዳድቱ ኺጽሊ ከሎ ክሓስብ ከለኹ ... ኣብ መስቀል ቀራንዮ እንታይ ከም ዝተሰቕየ፡ ንዓና ኻብ ዝጠፍአ ዘለኣለም ንምድሓን ህይወቱ ኺህብ ከሎ ክሓስብ ከለኹ ... ኣምላኽ ንሓጢኣት መስዋእቲ ኪኸውን ብኸመይ ከም ዝሰደዶ፡ ንዝኣምኑ ድማ ብነጻ ምሕረት ኪህብ ከሎ ክሓስብ ከለኹ ... ክንደይ ከም ዝፈትወና ክሓስብ ከለኹ፡ ደው ኢለ ኽጮኽ ጥራይ እደሊ፡ «መልካም ልደት፡ ኩሉኹም! እዚ እዩ እቲ ኩሉ ነገር!»
— ቡድ ሞሪስ
ንኣምላኽ ንዘይግለጽ ህያቡ ምስጋና ይኹን! (2 ቈረንቶስ 9:15)
ስለምንታይ ንክርስቶስ ናይ ልደት ከም መድሓኒኻ ኻብ ሓጢኣት ዘይትኣምኖ? ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና!





