እንታይ ገዲፍናሉ?
«ንመሕጸቢ ድማ ካብ መርኣያታት እተን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ዝእከባ ዝነበራ ኣንስቲ፣ ካብ ኣስራዚ ነሓስን መትከሉ ኸኣ ካብ ነሓስን ገበሮ» (ዘጸኣት 38:8)።
«ከምቲ ልማድ ገሊኦም ንምእካብና ኣይንሕደግ፣ ግናኸ እታ መዓልቲ ኸም ዝቐረበት እናርኤኹምስ፣ ንሓድሕድና ንመዓዓድ» (እብራውያን 10:25)።
ንቕበሎ – ኣንስቲ ብሓፈሻ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንመልክዐን ዝያዳ ይሓልያ። እዘን ኣንስቲ እስራኤል መርኣያታተን ካብ ዝተጸረየ ብረት ንሙሴ ንመሕጸቢ ክሰርሖ ምሃበን ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። እቲ መሕጸቢ፣ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ዝነበረ መሕጸቢ እዩ ነይሩ፣ ካህናት ቅድሚ እግዚአብሔር ምምጽኦም ከይሞቱ ኢሎም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዝሓጽቡሉ ነበረ። እቶም ካህናት ቅድሚ እግዚአብሔር ምምጽኦም ወትሩ ክሓጽቡ ይኽእሉ ነበሩ፣ ከመይሲ እዘን ኣንስቲ ንኣታተን ኣገዳሲ ዝነበረ ነገር ገዲፈን ነበራ።
ምስ እግዚአብሔር ንምርኻብ እንታይ ገዲፍናሉ? ወይስ ንርእስና ብጣዕሚ ስለ እንሓሊ ንምእካብና ንሓድግ ኣለናዶ? እዘን ኣንስቲ ኣብኡ ስለምንታይ ይእከባ ነበራ? ንእግዚአብሔር ክሳብ ዝከኣለን ቀረባ ክኾና ይደልያ ነበራ ይመስለኒ፣ ከመይሲ ንኣታተን ፍቑር ዝነበረ ነገር ብፍቓደን ገዲፈንኦ።
«ሰብ ግና ንርእሱ ይመርምር፣ ከምኡ ኸኣ ካብቲ እንጌራ ይብላዕ፣ ካብታ ጽዋእ ድማ ይስተ» (1 ቈረንቶስ 11:28)።
«ሓደ እኳ ሰማዒ ቃል እምበር ገባሪ እንተ ዘይኮነ፣ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ መርኣያ ዝርኢ ሰብ ይመስል እዩ። ከመይሲ ንርእሱ ይርኢ እሞ ይኸይድ፣ ብኡብኡ ድማ ከመይ ዝበለ ሰብ ከም ዝነበረ ይርስዕ» (ያእቆብ 1:23-24)።






