ሓደ መዓልቲ ሓደ ጽሑፍ ካብ ቅዱስ ጽሑፋት ኣንቢበ፡ ንእሽቶ ኣደናጊሩኒ። ሮሜ 11:26 እዩ። ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ዝኾነ ሓገዝ እንተ ረኸብኩ ሕጉስ ክኸውን እየ።
ምድሓን እስራኤል ምግንዛብ
ብዘይካ እቲ ብዛዕባ እስራኤል ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራፋት 9-11 ናይ ሮሜ እንርእዮ ዘሎና ትምህርቲ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልቲ ኣምላኽ ዝሓሰቦ ናይ ሓቂ እስራኤል ዝኸውን ተረፍ ከም ዝህሉ ምግንዛብ ጽቡቕ እዩ።
እቲ ብሩኽ ኣምላኽ፡ እታ ማሕበር ኣብ ምድሪ ምስ ዘይትህሉ፡ እንደገና ምስ እስራኤል ከም ህዝቢ ኪዳሉ እዩ፤ ይኹን እምበር፡ ምድሓን ብዘሎ እስራኤል ነቶም እሙናት ተረፍ እዩ ዝምልከት።
ነብዪ ኢሳይያስ ነታ ተረፍ ዝብል ቃል እንተ ወሓደ 15 ግዜ ይጠቅሳ፤ ኣብዚ ሓንቲ ጥራይ ክጠቅስ እየ፦
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ሒደት ተረፍ እንተ ዘይሓደገልና… (ኢሳይያስ 1:9)
ኢሳይያስ 10:20-22 እውን ኣንብብ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ ኣብ ሮሜ 9:27-28 ይጠቅሶ፡
ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሓዊ ባሕሪ እኳ እንተ ኾነ፡ ተረፍ ግና ኪድሕን እዩ።
ስለዚ ኣብ ምዕራፍ 11:26 ምስ በጽሐ፡ ነቲ ተረፍ እዩ ዝሓስብ ዘሎ። ጳውሎስ ነቲ ጕዳይ ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ምዕራፍ 9:6 ዝገለጾ መለኮታዊ ዕላማ ከም ዝወስዶ እውን ኣይትረስዕ፡
እቶም ካብ እስራኤል ዝኾኑ ዘበሉ ዅሎም እስራኤል ኣይኮኑን እሞ።
እዚ ሓገዝ ከም ዝኸውን ተስፋ እገብር።






