ምሕረት፡ ምሕረት ካብ ላዕሊ ርአ ናብ ክሙታን ዓመጸኛታት ይውርድ፤ እዚ ዘይተገደበ ናጻ ምሕረት እዩ፤ ክንደይ ጥዑም፡ ክንደይ ባህ ዘብል ድምጺ!
ግዝኣት ሓጢኣት ምስ ጀመረ፡ ብርሃን ምሕረት ኣብ ሰብ ወገሐ፡ ኣምላኽ ነቲ ብሩኽ ዜና ምስ ኣወጀ፡ “ዘርኢ ሰበይቲ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ።”
ኣብቶም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ብሩህ ኮይኑ ወገሐ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ቅዱስ ቈልዓ፡ ምስ ተወልደ፤ ብዝያዳ ብርሃን ከኣ ብኽብሪ ኣንጸባረቐ የሱስ ክመውት ከሎ፡ “ተፈጺሙ” ኢሉ ምስ ጨደረ።
ምስ ተንስአ ብሓይሊ ምሉእ ኮነ፡ ንኹሎም ጸላእቱ ኸኣ ሰንሰለቶም ሰበሮም፡ ድሕሪኡ ንምርኮ ምርኮ ገበሮ፡ ንዓና ኸኣ ኣብ ላዕሊ መንበሩ ሓዘ።
ክሳዕ ኣብኡ ንዕኡ እንኸበብ፡ እዚ ምሕረት እዚ መዝሙርና ኪኸውን እዩ፡ ኣምላኽ ንኹሉ መደብ ኪበታትኖ እዩ ናይቶም ንመስርሑ ኺገትኡ ዝደልዩ። —ሮበርት ሳንደማን (1718–1771)






