ሰለስተ ዓይነታት ዘይኣምኑ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰለስተ መጻሕፍቲ ንዘይምእማን ዘተባብዑ፡ ኣብ ዝርዝር ዝበለጸ ዝሽየጥ መጽሓፍ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ብሓንሳእ ወጺኦም። እዚ ድማ ብዙሓት ዓንቀጻትን ከምኡ’ውን ኣብ ተለቪዥን ዝቐርቡ ዝርርባት ብዛዕባ ምብራቕ ዘይምእማን ኣበጊሱ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ናይ ሓደ ሰብ ምስ ሰለስተ ዘይኣምኑ ዝነበሮ ሓቀኛ ዛንታ ንኣንበብትና ነቕርብ።
ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ጀርመናዊ ጸሓፊ ዮሃንስ ሊንከ ኣብ ሓደ ናይ ጎደና ካፌ ምስ ሰለስተ መንእሰያት ተቐሚጡ ረኸበ። ካብ ዝርርቦም፡ ሊንከ ዅሎም ሰለስቲኦም ዘይኣምኑ ምዃኖም ንምፍላጥ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።
ንሓጺር ግዜ ምስ ሰምዖም፡ ብህዱእ፡ ግናኸ ብንጹርን ብጥንቃቐን ድምጺ ኣቋረጾም፡ «ይቕረታ፡ ክቡራት ሰባት፡ ግን ሓደ ነገር ክነግረኩም ኣሎኒ። ሰለስተ ዓይነታት ዘይኣምኑ ጥራይ ከም ዘለዉ ትፈልጡዶ፧ ሓደ ኻብዚኣቶም ዓሚቕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ዘይኣምን እዩ። ኣብ ዓሚቕ መጽናዕቱ ብዛዕባ እተፈላለዩ ስርዓታት ፍልስፍና ናይ ጥንታዊን ዘመናዊን ግዜያት፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንኣምላኽ ክረኽቦ ኣይከኣለን። ገለ ኻባኻትኩም ፍልስፍና መጽኒዕኩምዶ ትፈልጡ፧» ንሳቶም ድማ ኣይፋል በሉ።
«እቲ ኻልኣይ ዓይነት፡ እቲ ሓሳብ ዘይብሉ ዘይኣምን እዩ። ብዘይ ገለ ናይ ገዛእ ርእሱ ምክንያታዊ ፍርዲ፡ ዝሰምዖ ዘበለ ጥራይ ይደግም። ገለ ኻባኻትኩም ነዚ መግለጺ ከም ዘይትኸውን ተስፋ እገብር።» ዅሎም ድማ ኣይፋል በሉ።
«እምበኣር፡ እቲ ሳልሳይ ዓይነት እቲ ጸገም ዘለዎ ዘይኣምን እዩ። ንሱ እዩ እቲ ጽቡቕ ሕልና ዘይብሉ። ኣብ ህይወቱ ጌጋ ነገር ከም ዘሎ ይፈልጥ፡ ስለዚ ድማ ቅዱስን ጻድቕን ኣምላኽ ከም ዘየሎ ይምነ። ድሕሪኡ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ስለ ዘየሎ፡ ሓጢኣት ክገብር ክቕጽል እየ’ ብምባል ንርእሱ የጸናንዕ። ክቡራት ሰባት፡ ራብዓይ ዓይነት የለን።» በለ እሞ፡ ተንስአ እሞ ከደ፡ ነቶም ሰለስተ መንእሰያት ዘይኣምኑ ድማ ብሓዘን ገጾም ተቐሚጦም ሓደጎም።
ናይ ዮሃንስ ሊንከ ተመክሮ ብሓንቲ ጥራይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ፍቕዲ ክግለጽ ይከኣል እዩ፡
«ዓሻ ኣብ ልቡ፡ ‘ኣምላኽ የልቦን’ ይብል» (መዝሙር 14:1 NIV)። ንስኻ ሓደ ኻብዚኣቶም ዓያሹ ሰባት ዲኻ፧ ምናልባት ዓሻነትካ ምንጩ ኣብ ዘይምእማን፡ ኣብ ስጋዊነት፡ ኣብ ኣንጻራዊነት ወይ ኣብ ምዕባለነት ይኸውን። ጌጋኻ ካበይ ከም ዝመጸ ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም «ኢዝምስ» የፍርሶም።
ኣብ ገለ ቦታ ኣቧራ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎካዶ፧ ረኸቦ። ኣቧራኡ ኣራግፍ። ርኣዮ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ሰብን እንታይ ከም ዝብል ድማ ርአ። እቲ መሰረታዊ ምንጪ ናይዚ ትምኒታዊ፡ ዘይኣምላኻዊ ኣተሓሳስባ – ዅሉ ዝኽእል፡ ቅዱስን ጻድቕን ኣምላኽ ከም ዘየሎ – ሓደ ሰብ ብዘይ ፍትሓዊ ቅጽዓት ብልቡ ዝደለዮ ሓጢኣት ክገብር ከም ዝኽእል ዝገብር ርእሰ-ምጥባር እዩ። ኣጋንንቲ እኳ ኸምኡ ዘይኣምላኻውያን ኣይኮኑን! መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ፡ እቶም
«ኣጋንንቲ ይኣምኑ ... ይንቀጥቀጡ ድማ» (ያእቆብ 2:19)።
ካብቲ ብገዛእ ርእስኻ ዝገበርካዮ ጸልማት ውጻእ፡ የሱስ ዝነግረካ ዘሎ ድማ ተቐበል፡
«ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ ንሓደ ወዱ ሃበ፡ ብእኡ ዝኣምን ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ። ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝሰደዶ፡ ንዓለም ንምፍራድ ኣይኮነን፡ ንዓለም ብእኡ ንምድሓን እዩ እምበር። ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረድን እዩ፡ ዘይኣምን ግን፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ቅድሚ ሕጂ ተፈሪዱ እዩ። እዚ እዩ እቲ ፍርዲ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጺኡ፡ ሰባት ግን ካብ ብርሃን ንጸልማት ፈተዉ፡ ከመይሲ ግብሮም ክፉእ ነበረ» (ዮሃንስ 3:16-19)።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ትናፍቕዶ፧ ከምኡ’ውን ምስ ኣምላኽ ሓቀኛ፡ ትርጉም ዘለዎ ርክብ፧ ሕጂ ደፋር ስጉምቲ ውሰድ፡ ሓጢኣትካ ንኣምላኽ ተናዘዝ፡ ብስራሕ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ዝፈጸሞ ድማ ምድሓንን ዘለኣለም ህይወትን ክትረክብ ኢኻ። የሱስ ከምዚ በለ፡
«ንዝጸምአ ብዘይ ዋጋ ኻብ ምንጪ ማይ ህይወት ክህቦ እየ» (ራእይ 21:6)።
ኣምላኽ ንሓደ እኳ ኣይግዳድን። ሰማይን ሲኦልን ብገዛእ ፍቓዶም ዝመጹ ሰባት ይነብሩዎም። ስለዚ ነቲ ሓደ ጥራይ ቅኑዕ ምርጫ ግበር፡ ሕጂ ድማ ናብቲ ዝጽውዓካ ዘሎ የሱስ ንዓ፡
«ናባይ ዝመጽእ ዅሉ ከቶ ኣይሰጎጎን እየ» (ዮሃንስ 6:37)። ንሕና ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።





