ገሊኦም ሰባት ሎሚ መን ወይ እንታይ ከም ዘምልኹ ኣይፈልጡን እዮም – ግናኸ ይገብርዎ እዮም። ካልኦት መን ከም ዘምልኹ ይፈልጡ፡ ግናኸ ብዛዕባ ከመይ ገይሮም ከም ዘምልኹ ብዙሕ ኣይሓስቡን። ሽዑ ገሊኦም ድማ ንሳቶም ጥራይ እዮም እቶም «ሓቀኛታት ኣምለኽቲ» ዝብሉ – ቅኑዓት ምዃኖም እርግጸኛታት እዮም፡ ኩሎም ካልኦት ድማ ጌጋ ምዃኖም እርግጸኛታት እዮም። ሽዑ እቶም ዝተረፉ ኣሎና።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ መዓስከር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓሙሽተ መንእሰያት ክርስትያናት – ንእሽቶ ናይ «እቶም ዝተረፉና» ኣብነት – ነዚ ሕቶታት እዚ ክምልሱ ሓቲተዮም፡ መን ተምልኹ? ከመይ ተምልኹ? ክንደይ ግዜ ተምልኹ? ኣምልኾ እንታይ እዩ? ነቲ «መን» ዝብል ሕቶ ብቐሊሉ መለስዎ፡ ኣምላኽ፤ ጐይታ፤ የሱስ፤ ኣቦ፤ መድሓኒ። መልስታቶም ነቲ «ከመይ» ዝብል ሕቶ ዝተፈላለየ ነይሩ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ፤ ብዛዕባኡ ብምሕሳብ፤ ናይ ምስጋና ሙዚቃ ብምስማዕ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፤ ስብከት ብምስማዕ። እቲ «ክንደይ ግዜ» ዝብል ሕቶ ነዚ መልስታት እዚ ኣምጺኡ፡ ሰሙናዊ፤ መዓልታዊ፤ ኩሉ ግዜ፤ ንኣምላኽ ክሓስብ ከለኹ ኩሉ ግዜ፤ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ ከለኹ። መልስታት ነቲ «ኣምልኾ እንታይ እዩ?» ዝብል ሕቶ ናብ ጽቡቕ ምይይጥ ኣምርሐ፡ እቲ ሰንበት ንግሆ እንገብሮ፤ ኣምልኾን ምስጋናን፤ ኣምላኽ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረን ምዝካር፤ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ፤ ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብሓቂ ኣይፈልጥን እየ።
ብዛዕባ ኣምልኾ ኩሉ ትፈልጥ ምዃንካ እርግጸኛ እንተኾንካ፡ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሕቶታትን መልስታትን ዘሰልቹ ኾይኖም ክረኽብዎም ትኽእል ኢኻ።





