ንሎሚ ዝኸውን ብስራት!
ፍቕሪ ኣምላኽ
ግናኸ፡ ክርስቶስ ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ፍቕሩ ኣባና ገለጸ (ሮሜ 5:8)።
እቲ ሓደ ወዱ ሃበ፡ እቲ ዚኣምነሉ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቀራ (ዮሃንስ 3:16)።
ፍቕሪ እዚ እዩ፡ ንሕና ንኣምላኽ ከም ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ንኣና ኣፍቂሩናን ንሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ወዱ ዝለኣኸ እዩ (1 ዮሃንስ 4:10)።
መዐቀኒ ኣምላኽ
ጻድቕ የልቦን፡ ሓንቲ እኳ የልቦን። ዚረዳእ የልቦን፡ ንኣምላኽ ዚደሊ የልቦን። ኵሎም ገዲፎምዎ ኸዱ፡ ሓቢሮም ከንቱ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓንቲ እኳ የልቦን (ሮሜ 3:10-12)።
ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኑ እዩ እሞ (ሮሜ 3:23)።
ምድላው ኣምላኽ
ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ንስኻ ኸኣ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ፡ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ (ማቴዎስ 1:21)።
ክርስቶስውን ንሓጢኣት ሓንሳእ ሞተ፡ ንሱ ጻድቕ ንሓጥኣን፡ ምእንቲ ናብ ኣምላኽ ኬቕርበና (1 ጴጥሮስ 3:18)።
ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ተኸትከተ። ንሕና ሰላም ምእንቲ ኪዀነና፡ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፡ ብቝስሉ ድማ ሓዌና (ኢሳይያስ 53:5)።
ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ … ተቐብረ … ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ከምቲ ጽሑፋት ዝበሎ ተንስአ (1 ቈረንቶስ 15:3-4)።
ንእኡ ኣምላኽ ናብ የማናኡ ልዑል ገበሮ፡ መራሕን መድሓንን ኪኸውን (ግብሪ ሃዋርያት 5:31)።
መሰናድዎ ኣምላኽ
ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን፡ ክትድሕንን ስድራቤትካን ኢኹም (ግብሪ ሃዋርያት 16:31)።
እምበኣርሲ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰስ፡ ተነስሑን ተመለሱን (ግብሪ ሃዋርያት 3:19)።
ጐይታ … ንኣና ይዕገሰና ኣሎ እምበር፡ ሓደ እኳ ኪጠፍእ ኣይፈቱን፡ ኵሉ ናብ ንስሓ ኪበጽሕ እዩ ዚደሊ (2 ጴጥሮስ 3:8-9)።
ግናኸ ነቶም እተቐበልዎ ዅሎም፡ ነቶም ብስሙ ዚኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም (ዮሃንስ 1:12)።
ምርጫታት ኣምላኽ
እቲ ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። እቲ ንወዲ ዘይእመን ግና ህይወት ኣይርእን፡ ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር (ዮሃንስ 3:36)።
እቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይፍረድን እዩ። እቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪዱ እዩ (ዮሃንስ 3:18)።
ግናኸ እቶም ፈረሃትን ዘይኣምኑን … ግደኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ ድማ ካልኣይ ሞት እዩ (ራእይ 21:8)።
ክንደይ ዝኸበረ ምድሓን እንተ ሓደግናዮኸ፡ ከመይ ጌርና ኸነምልጥ ኢና? (እብራውያን 2:3)።
እዚ ካብ መጽሓፍ ኣምላኽ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ቀጥታዊ ጥቅስታት እዩ። ኣምላኽ ንዓና ኺብለና ዘለዎ ብጥንቃቐ ኣንቢብኩም፡ ኣስተንትኑን እመኑንዶ ኣይትኾኑን?





