«ኣንብብ! ኣንብብ! ኣንብብ!»
ኣብ ጢሮኣስ ምስ ካርጶስ ዝገደፍክዋ ኽዳውንቲ ምስ እትመጽእ ኣምጽኣለይ። መጻሕፍቲ ግና ብፍላይ እተን ብብራና እተጻሕፋ ኣምጽኣለይ። (2 ጢሞቴዎስ 4:13)
ገሊኦም ሰበኽቲ ንመጻሕፍቲ ዝንዕቁ ይመስሉ። ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ናይ ነጻ ባፕቲስት ኣኼባ ሓደ ሰባኺ «ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣየድልየናን እዩ፤ ብዙሕ ስብከት እዩ ዘድልየና» ኢሉ ሰሚዐዮ።
እዚ ናይ ድንቁርና መግለጺ እዩ። ጽቡቕ ክርስትያናዊ መጽሓፍ ጽቡቕ ስብከትን ትምህርትን እዩ።
ኣምላኽ ምስ ሰባት ኪዛረብ ምስ ደለየ፡ መጽሓፍ ጸሓፈ። ሃዋርያት ምስ ኣብያተ ክርስትያናትን ምስ ውልቀ ኣመንትን ብብዕሪ ይራኸቡ ነበሩ፡ ገለ ጽሑፋቶም ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳንና ኣሎና። ናይ ሕትመት ማሽናት እንተ ዝህልዎም፡ ከም ዝጥቀሙሉም ኣይጠራጠርን።
ሃዋርያ ጳውሎስ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ተማሃራይ ነበረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞቱ ኺጽበ ኸሎ እኳ፡ ንጢሞቴዎስ፡ «ኣብ ጢሮኣስ ምስ ካርጶስ ዝገደፍክዋ ኽዳውንቲ ምስ እትመጽእ ኣምጽኣለይ። መጻሕፍቲ ግና ብፍላይ እተን ብብራና እተጻሕፋ ኣምጽኣለይ» (2 ጢሞቴዎስ 4:13) በሎ።
እቲ ሓያል ሽማግለ ተዋጋኢ፡ መጻሕፍቲ ኣምጽእ በለ! እቲ ክንመስሎ እተነግረና ሰብ፡ መጻሕፍቲ ኣምጽእ በለ። «ስለዚ፡ ንኣኻትኩም እልምነኩም ኣሎኹ፡ ንኣይ ምሰሉ» (1 ቈረንቶስ 4:16)። «ኣቱም ኣሕዋት፡ ንኣይ ብሓባር ምሰሉ፡ ንኣና ኸም ኣብነት ገይርኩም ከምቲ እንመላለስ ዘለና ኸኣ፡ ነቶም ከምኡ ዚመላለሱ ርኣይዎም» (ፊልጲ 3:17)።
እቲ ጸሓፊ ኪኸውን ዚደሊ ሰብ ኣንባቢ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተነጊሩ እዩ። «እቲ ዘየንብብ ሰብ፡ ካብቲ ኬንብብ ዘይክእል ሰብ ዝሓሸ ኣይኮነን» ተባሂሉ እዩ። «ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ነቶም እትረኽቦም ሰባትን ነቶም እተንብቦም መጻሕፍትን እንተ ዘይኮይኑ፡ ተመሳሳሊ ሰብ ክትከውን ኢኻ» ተባሂሉ እዩ።





