5 ሕዳ 2022
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 6 ሕዳር: ዕለታዊ ብርሃን, 6 ሕዳር: እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ (ቈላስይስ 3:4)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።
ቈላስይስ 3:4
ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ።
ዮሃንስ 11:25
እግዚኣብሄር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ። ወዲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ፥ ህይወት ኣላቶ፤ እቲ ወዲ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዘይብሉ ግና፥ ህይወት የብሉን።
1ይ ዮሃንስ 5:11–12
ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:16–18
ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:2
ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትስእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብሓይሊ ይትስእ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:43
ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
ዮሃንስ 14:3
ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥ ብሓቅኻ ምርሐኒ።
ዳዊት 25:5
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ።
ዮሃንስ 16:13
ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢእኹም ኢኹም፤ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።
1ይ ዮሃንስ 2:20
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
ኢሳይያስ 8:20
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፍፁም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ኣፀቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ፥ ንትምህርቲ፥ ንተግሳፅ፥ ንምቕናዕ፥ ብመንገዲ ፅድቂ ንምምዓድ፥ ይጠቅም እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16–17
ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።
2ይ ጢሞቴዎስ 3:15
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ዳዊት 32:8
“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።
ማቴዎስ 6:22
ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር።
ዮሃንስ 7:17
እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ኢሳይያስ 35:8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ4 ሕዳ 2022
1ይ ጴጥሮስ 1:6 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
3 ሕዳ 2022
ሆሴዕ 14:9 · 1ይ ጴጥሮስ 2:7–8
2 ሕዳ 2022
1ይ ተሰሎንቄ 5:15 · 1ይ ጴጥሮስ 2:21–23
1 ሕዳ 2022
ምሳሌ 8:34 · ዳዊት 123:2
31 ጥቅ 2022
ዘካርያስ 4:6 · ኢሳይያስ 40:13
30 ጥቅ 2022
ሰቆቃወ 3:26 · ዳዊት 77:9


