19 ለካ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 20 ለካቲት: ዕለታዊ ብርሃን, 20 ለካቲት: ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ።
ኢሳይያስ 53:11
ተፈፀመ! በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።
ዮሃንስ 19:30
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:21
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
ኢሳይያስ 43:21
እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 3:10–11
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 2:7
ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም። ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ፥ ዕርቡን እዩ።
ኤፌሶን 1:13–14
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
ዕብራውያን 3:8
ሓደኳ ምስ ተፈተነ፥ እግዚኣብሄር ፈቲኑኒ ኣይበል፤ እግዚኣብሄር ብኽፉእ ኣይፍተንን፤ ባዕሉውን ንሓደኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ብትምኒቱ ተስሒቡን ተታሊሉን እዩ ዝፍተን። ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ።
ያእቆብ 1:13–15
ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ተመነዩ፤ ኣብ በረኻውን ንእግዚኣብሄር ተፈታተንዎ።
ዳዊት 106:14
ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ ... ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ። ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ። ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ።
ሉቃስ 4:1–3
ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ዕብራውያን 2:18
ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ። ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ።
ሉቃስ 22:31–32
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 ለካ 2024
ኤርሚያስ 17:17 · ዳዊት 4:6
17 ለካ 2024
ዘሌዋውያን 4:12 · ዮሃንስ 19:16
16 ለካ 2024
መሃልየ 1:3 · ኤፌሶን 5:2
15 ለካ 2024
ምሳሌ 20:9 · ዳዊት 14:2–3
14 ለካ 2024
ማቴዎስ 3:15 · ዳዊት 40:8
13 ለካ 2024
ሕዝቅኤል 1:26 · 1ይ ጢሞቴዎስ 2:5





