18 ለካ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 19 ለካቲት: ዕለታዊ ብርሃን, 19 ለካቲት: ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን (ምሳሌ 3:5)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ጥበብ ዝህብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ካብ ኣፉ ይወፅእ።
ምሳሌ 2:6
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን።
ምሳሌ 3:5
ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።
ያእቆብ 1:5
ዕሽነት እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ፥ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልፅ እዩሞ፤ ድኻም እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ ኸዓ፥ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ እዩሞ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:25
እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ... እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:27, 29
ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤ ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።
ዳዊት 119:130
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ዳዊት 119:11
እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።
ሉቃስ 4:22
እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ።
ዮሃንስ 7:46
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 1:30
ንህዝበይ ዝብይዘወላ ዓመትውን መፂኣ እያሞ።
ኢሳይያስ 63:4
ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ።
ዘሌዋውያን 25:10
ምውታንካ ህያዋን ክኾኑ፥ ሬሳታትውን ክትስኡ እዮም፤ ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩሞ፥ ምድሪ እውን ንምውታን ክተውፅኦም እያሞ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንቕሑ፤ ብሓጐስውን ዘምሩ።
ኢሳይያስ 26:19
ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
1ይ ተሰሎንቄ 4:16–17
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ?
ሆሴዕ 13:14
ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ኤርሚያስ 50:34
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 ለካ 2024
ዘሌዋውያን 4:12 · ዮሃንስ 19:16
16 ለካ 2024
መሃልየ 1:3 · ኤፌሶን 5:2
15 ለካ 2024
ምሳሌ 20:9 · ዳዊት 14:2–3
14 ለካ 2024
ማቴዎስ 3:15 · ዳዊት 40:8
13 ለካ 2024
ሕዝቅኤል 1:26 · 1ይ ጢሞቴዎስ 2:5
12 ለካ 2024
ሚልክያስ 3:17 · ዮሃንስ 17:6





