እምበኣርከስ፡ ኣብዚ ንሕጂ ዘሎ ኣገልግሎት ክርስቶስ ን“ኣብ ዓለም ዘለዉ ናቱ” ዜደንቕ ኣቕራቢት ኣሎና። ኣብቲ “ናቱ” ዚብል ኣበሃህላ ፍሉይ ክቡር ነገር ኣሎ። ናብ ልቢ ክርስቶስ ኣዝዩ የቕርበና። ንሱ ንኸምዚኣቶም ድኻታት፡ ድኹማት፡ ጌጋታት ፍጡራት ከም ንሕና ገይሩ ኺርእየናን፡ ንሳቶም ናተይ እዮም ኪብልን ከሎ፡ ክንደይ ጥዑም እዩ። ካልኦት ብዛዕባኦም እንታይ ከም ዚሓስቡ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ንሳቶም ናተይ እዮም፡ ካብቲ ዝመጻእክዎ ቦታን ናብቲ ዝኸይደሉ ቦታን ዚበቅዕ ኩነታት ኪህልዎም ኣለዎ።
እዚ ንነፍሳትና ብዘይተነግረ ክቡርን ዜሐንጽን እዩ። ብስምዒት ናይ ግላዊ ክብሩ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸን ናብ ኣምላኽ ከም ዝኸይድን ብምፍላጥ፡ ጐንጺፉ ኣእጋር ህዝቡ ኺሐጽብ ክኢሉ እዩ። ካብቲ የሱስ ዝመጸሉ ቦታ ዝበለጸ ነገር ኣይነበረን፡ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ። ካብቲ ርኹስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ዝኸፍአ ነገር ኣይነበረን፡ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ። ግናኸ፡ ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽን ይውደስን! ንሱ ብናይ ገዛእ ርእሱ መለኮታዊ ሰብነትን ዜደንቕ ኣገልግሎትን ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጽንፍታት ዘሎ ነጥቢ ዅሉ ይመልእ። ሓንቲ ኢዱ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ፡ እታ ሓንቲ ድማ ኣብ ኣእጋርና ኼንብር ይኽእል፡ ንሱ ባዕሉ ድማ ኣብ መንጎኦም መለኮታዊን ዘለኣለማዊን መተሓሓዚ ይኸውን።




