13 ሚያ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 14 ሚያዝያ: ዕለታዊ ብርሃን, 14 ሚያዝያ: ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና። ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ ኣለኹ፤ ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ።
ዳዊት 63:5–6
ኦ ኣምላኽ፥ ሓሳባትካ ንኣይ ከመይ የመና ኽቡር እዩ! ቍፅሮምከ ክንደይ ብዙሕ እዩ! እንተ ቘፀርክዎም ኻብ ሑፃ የመና ይበዝሑ፤ ተሳእኹውን፥ ኣነ ገና ምሳኻ እየ ዘለኹ።
ዳዊት 139:17–18
ቃልካ ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ንኣፈይ ካብ መዓርን ካብ ወለላን ዝበለፀ መቀረኒ።
ዳዊት 119:103
ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ።
መሃልየ 1:2
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
ዳዊት 73:25
ፅባቐኻ ኻብ ደቂ ሰብ ይምልክዕ።
ዳዊት 45:2
ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤ ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፤ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ።
መሃልየ 2:3–4
መልክዑ ኸም ሊባኖስ፥ ከም ኣእዋም ዝግባ ዝተመረፀ እዩ። ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ።
መሃልየ 5:15–16
ሓጐስ ምድሓንካ መሊስካ ሃበኒ።
ዳዊት 51:12
“መንገድታቱ ሪአ ኣለኹ፤ ግና ኸሕውዮን ክመርሖን እየ። ንእኡን ብዛዕባኡ ንዝበኽዩን ድማ፥ ምፅንናዕ ክመልሰሎም እየ።
ኢሳይያስ 57:18
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ኢሳይያስ 1:18
ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤ ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥ እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።
ኤርሚያስ 3:22
ኣነ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝብለኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ንህዝቡን ንፃድቃኑን ልቦም ናብኡ ንዝመልሱን፥ ሰላም ይናገር።
ዳዊት 85:8
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ምስጋናኡውን ኣይትረስዒ፤ ንዅሉ ሓጢኣትኪ ይቕረ ዝብለልኪ፥ ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ።
ዳዊት 103:2–3
ንነፍሰይ መለሳ።
ዳዊት 23:3
ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ኢሳይያስ 12:1
ርድአኒ፤ ክድሕን ድማ እየ።
ዳዊት 119:117
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
ኢሳይያስ 43:25
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ12 ሚያ 2024
ሮሜ 8:3 · ዕብራውያን 10:1–2
11 ሚያ 2024
ምሳሌ 10:19 · ያእቆብ 1:19
10 ሚያ 2024
መሃልየ 1:5 · ዳዊት 51:5
9 ሚያ 2024
ኢሳይያስ 43:1 · ኢሳይያስ 54:4–5
8 ሚያ 2024
1ይ ቆሮንቶስ 1:5 · ሮሜ 5:6
7 ሚያ 2024
2ይ ቆሮንቶስ 6:10 · ሮሜ 5:2–3



