10 ሚያ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 11 ሚያዝያ: ዕለታዊ ብርሃን, 11 ሚያዝያ: ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ (ምሳሌ 10:19)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።
ምሳሌ 10:19
ነዙይ ፍለጡ፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ዝቐልጠፈ፥ ንምዝራብ ዝደንጐየ፥ ንቝጥዓውን ዝደንጐየ ይኹን።
ያእቆብ 1:19
ዕጉስ ሰብ ካብ ሓያል ይበልፅ፤ ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ።
ምሳሌ 16:32
ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።
ያእቆብ 3:2
“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
ማቴዎስ 12:37
ኦ ጐይታ፥ ንኣፈይ ሓላዊ ግበር፤ ማዕፆ ኸናፍረይውን ሓሉ።
ዳዊት 141:3
ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
1ይ ጴጥሮስ 2:21, 23
ምእንቲ ኸይትደኽሙን፥ ተስፋ ኸይትቘርፁን፥ ነቲ ብሓጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ዝተዓገሰ ንእኡ ዘክርዎ።
ዕብራውያን 12:3
ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።
ራእይ 14:5
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ መሃረኒ።
ዳዊት 27:11
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ዳዊት 32:8
እግዚኣብሄር ሕያዋይን ቅኑዕን እዩ፤ ስለዙይ ንሓጥኣን መንገዲ ይመርሖም። ንሱ ንየዋሃን ብፍርዲ ይመርሖም፤ ንገርህታትውን መንገዲ ይምህሮም እዩ።
ዳዊት 25:8–9
እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።
ዮሃንስ 10:9
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ዮሃንስ 14:6
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥ ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና።
ዕብራውያን 10:19–22
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ።
ሆሴዕ 6:3
ነቶም ቃል ኪዳኑን ምስክሩን ዝሕልዉ፥ ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ።
ዳዊት 25:10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 ሚያ 2024
ኢሳይያስ 43:1 · ኢሳይያስ 54:4–5
8 ሚያ 2024
1ይ ቆሮንቶስ 1:5 · ሮሜ 5:6
7 ሚያ 2024
2ይ ቆሮንቶስ 6:10 · ሮሜ 5:2–3
6 ሚያ 2024
ዕብራውያን 7:25 · ሮሜ 8:34
5 ሚያ 2024
ዘፍጥረት 32:26 · ኢሳይያስ 27:5
4 ሚያ 2024
ራእይ 1:17 · ዕብራውያን 12:18




