18 ሚያ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 19 ሚያዝያ: ዕለታዊ ብርሃን, 19 ሚያዝያ: ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ።
ዮሃንስ 10:7
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ።
ማቴዎስ 27:51
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ።
1ይ ጴጥሮስ 3:18
እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።
ዕብራውያን 9:8
እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።
ዮሃንስ 10:9
ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ዮሃንስ 14:6
ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ። እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
ኤፌሶን 2:18–19
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና።
ዕብራውያን 10:19–20
ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና። ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።
ሮሜ 5:1–2
ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
ኤርሚያስ 20:9
ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ፥ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ፥ ክሰብኽ እንተለኹ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 9:16, 18
ፀዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ፥ ንሓደኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ ... ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
ግብሪ ሃዋርያት 4:18–20
ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:14
ስለ ዝፈራሕኹውን፥ ከይደ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእኽዎ፤ ... ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓፅድ ... ነቲ ገንዘበይ ንመሽረፍቲ ኽትህቦ ምተገብአካ ነይሩ፤ ኣነ ኸዓ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ።
ማቴዎስ 25:25–27
ናብ ገዛኻን ናብ ወገናትካን ኪድ፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረልካን ዝመሓረካን ድማ ንገሮም! በሎ።
ማርቆስ 5:19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 ሚያ 2024
ዳዊት 50:23 · ቈላስይስ 3:16–17
16 ሚያ 2024
ዳዊት 31:22 · ዳዊት 69:2
15 ሚያ 2024
ኤርሚያስ 50:34 · ኣሞፅ 5:12
14 ሚያ 2024
ዳዊት 63:5–6 · ዳዊት 139:17–18
13 ሚያ 2024
ምሳሌ 3:9 · 2ይ ቆሮንቶስ 9:6
12 ሚያ 2024
ሮሜ 8:3 · ዕብራውያን 10:1–2




