16 ሚያ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 17 ሚያዝያ: ዕለታዊ ብርሃን, 17 ሚያዝያ: መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ (ዳዊት 50:23)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ።
ዳዊት 50:23
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ። ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ቈላስይስ 3:16–17
ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
1ይ ቆሮንቶስ 6:20
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
1ይ ጴጥሮስ 2:5
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ዕብራውያን 13:15
ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር፤ ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
ዳዊት 34:2–3
ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና።
መሃልየ 1:4
ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።
ኤርሚያስ 31:3
ኣነ ብናይ ሰብ ገመድ፥ ብናይ ፍቕሪ መእሰሪ ናባይ ሰሓብክዎም።
ሆሴዕ 11:4
ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”
ዮሃንስ 12:32
ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ በለ።
ዮሃንስ 1:36
ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።
ዮሃንስ 3:14–15
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
ዳዊት 73:25
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 4:19
ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤ ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ። እንሆ፥ ክረምቲ ሓሊፉ፥ ዝናምውን ዛርዩ፥ ተወዲኡ እዩሞ። ዕምበባታት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተራእዩ፤ ጊዜ መዝሙር በፅሐ፤ ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ። ፍረ በለስ ጐጕቡ፥ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ይህብ ኣሎ፤ ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ።
መሃልየ 2:10–13
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 ሚያ 2024
ኤርሚያስ 50:34 · ኣሞፅ 5:12
14 ሚያ 2024
ዳዊት 63:5–6 · ዳዊት 139:17–18
13 ሚያ 2024
ምሳሌ 3:9 · 2ይ ቆሮንቶስ 9:6
12 ሚያ 2024
ሮሜ 8:3 · ዕብራውያን 10:1–2
11 ሚያ 2024
ምሳሌ 10:19 · ያእቆብ 1:19
10 ሚያ 2024
መሃልየ 1:5 · ዳዊት 51:5

