30 ሚያ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 1 ጉንበት: ዕለታዊ ብርሃን, 1 ጉንበት: ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም (ገላትያ 5:22)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም።
ገላትያ 5:22
ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና፥ ህይወትን ሰላምን እዩ።
ሮሜ 8:6
እግዚኣብሄር ብሰላም ክንነብር እዩ ዝፀውዐናሞ።
1ይ ቆሮንቶስ 7:15
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
ዮሃንስ 14:27
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።
ሮሜ 15:13
ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።
ኢሳይያስ 26:3
ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ። ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
ኢሳይያስ 32:17–18
እቲ ዝሰምዐኒ ግና ብደሓን ይነብር፤ ንኽፉእ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብዘይ ስግኣት ክነብር እዩ።
ምሳሌ 1:33
እቶም ንሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም።
ዳዊት 119:165
ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።
ሕዝቅኤል 48:35
ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።
ራእይ 21:3
ኣብታ ኸተማ፥ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ንዅሉ ዝገዝእ ጐይታ ኣምላኽን፥ እቲ በጊዕን፥ መቕደሳ እዮም እሞ። እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።
ራእይ 21:22–23
ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ዳዊት 17:15
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
ዳዊት 73:25
ይሁዳ ግና ንዘለኣለም፥ ኢየሩሳሌምውን ንውሉድ ወለዶ መንበሪ ክኸውን እዩ። ኣነ ድማ ነቲ ዘየፅረኽዎ ደሞም ከፅርዮ እየ፤ እግዚኣብሄርውን ኣብ ፅዮን ክሓድር እዩ።
ኢዩኤል 3:20–21
“ኦ ጓል ፅዮን፥ ኣነ መፂአ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየሞ፥ ዕልል በሊ ዘምሪ ደስውን ይበልኪ” ይብል እግዚኣብሄር።
ዘካርያስ 2:10
ድሕሪ ደጊምስ መርገም፥ ከቶ ኣይህሉን እዩ። ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ዙፋን እቲ በጊዕን፥ ኣብኣ ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱውን ከምልኽዎ እዮም።
ራእይ 22:3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ29 ሚያ 2024
1ይ ሳሙኤል 12:24 · ዘዳግም 8:2
28 ሚያ 2024
ዮሃንስ 1:29 · ዕብራውያን 10:4–7
27 ሚያ 2024
1ይ ቆሮንቶስ 7:29 · ኢዮብ 14:1–2
26 ሚያ 2024
መሃልየ 2:6 · ዘዳግም 33:27
25 ሚያ 2024
ማቴዎስ 1:21 · 1ይ ዮሃንስ 3:5
24 ሚያ 2024
ዘፍጥረት 21:1 · ዳዊት 62:8






