24 ሚያ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 25 ሚያዝያ: ዕለታዊ ብርሃን, 25 ሚያዝያ: ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
ማቴዎስ 1:21
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም።
1ይ ዮሃንስ 3:5
ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ።
1ይ ጴጥሮስ 2:24
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም።
ዕብራውያን 7:25
ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና። ... እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ኢሳይያስ 53:5–6
ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ካብ ሞት ከም ዝትስእ፥ ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
ሉቃስ 24:46–47
ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።
ዕብራውያን 9:26
ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ።
ግብሪ ሃዋርያት 5:31
ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።
ግብሪ ሃዋርያት 13:38–39
ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
1ይ ዮሃንስ 2:12
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
2ይ ቆሮንቶስ 8:9
ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ።
ቈላስይስ 1:19
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ። እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ።
ዕብራውያን 1:3–4
ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን። እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን።
ፊልጵስዩስ 2:6–7
ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ።
ማቴዎስ 8:20
ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ፥ ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ። ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:21–23
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 ሚያ 2024
ዳዊት 18:18 · ኤርሚያስ 3:23
22 ሚያ 2024
ዘሌዋውያን 1:3–4 · ዘፍጥረት 22:8
21 ሚያ 2024
ፊልጵስዩስ 4:1 · ኢዮብ 23:11
20 ሚያ 2024
ዘዳግም 13:17 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:17
19 ሚያ 2024
ዮሃንስ 10:7 · ማቴዎስ 27:51
18 ሚያ 2024
ዘዳግም 18:18 · ዘዳግም 5:5






