ዕለታዊ ብርሃን, 28 ጥቅምቲ: ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ (ኢሳይያስ 59:16)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ።

መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ። ሽዑ ኣነ “እንሆ፥ መፃእኹ” በልኩ፤ ብዛዕባይ ኣብ ርእሲ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ። ኦ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ንምግባር ፈተኹ፤ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ።

መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ።

ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።” “ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።

ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”

ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።

ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ።

እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።

ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።

ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ። ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን። ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ። እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ብምድላው፥ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው፥ ተዳሊኹም ቁሙ። ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።

ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ