ዕለታዊ ብርሃን, 6 ሕዳር: እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ (ቈላስይስ 3:4)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።

ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ።

እግዚኣብሄር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ። ወዲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ፥ ህይወት ኣላቶ፤ እቲ ወዲ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዘይብሉ ግና፥ ህይወት የብሉን።

ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።

ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።

ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትስእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብሓይሊ ይትስእ።

ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።

ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥ ብሓቅኻ ምርሐኒ።

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ።

ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢእኹም ኢኹም፤ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።

እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፍፁም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ኣፀቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ፥ ንትምህርቲ፥ ንተግሳፅ፥ ንምቕናዕ፥ ብመንገዲ ፅድቂ ንምምዓድ፥ ይጠቅም እዩ።

ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።

ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።

“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።

ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር።

እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።