ዕለታዊ ብርሃን, 3 ሕዳር: መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።

እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ” ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።”

መንገዲ እግዚኣብሄር፥ ብዘይ ነውሪ ንዝኸይድ እምባ እዩ፤ ንገበርቲ ኽፉእ ግና መጥፍኢ እዩ።

ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

ነዙይ ዝሕልዎ ለባም መን እዩ? እግዚኣብሄር መሓሪ ኸም ዝኾነ ኸስተውዕል እዩ።

“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።

ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር።

ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝሐሉውን።

እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።”

ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።

እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።

ሓለቓ ሰላም።

“ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።

ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም። ... ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።

ንኣይ እንተ እትፈልጡንስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም ኢሉ መለሰ።

ፊልጶስ ከዓ “ጐይታ፥ ንኣብ ደኣ ኣርእየና እምበር፥ ይኣኽለና” በሎ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “ፊልጶስ፥ እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጊዜ፥ ምሳኻትኩም ክነብር እንተለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ነኣይ ዝረአየ፥ ንኣብ ረአየ።

ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ውሉድን እኒሀና ይብል።

ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ።

እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።

ኣብርሃም እንተይተወለደ ‘ኣነ ነይረ እየ’ በሎም።

እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ኣነ እየ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ እቲ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም” በሎ።

ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር።

ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።

ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።