ዕለታዊ ብርሃን, 1 ሕዳር: እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ በብመዓልቱ፥ ኣብ በርታተይ እናተፀበየ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ በብመዓልቱ፥ ኣብ በርታተይ እናተፀበየ፥ ንኣይ ዝሰምዕ ሰብ ብፁእ እዩ።

እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።

“እዙይ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድመይ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። ኣነ ኣብኡ ኽዛረበካ፥ ምሳኻውን ክራኸብ እየ።

ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።

ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

እንተ ኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ፥ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ። ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ።

ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ።

እንተየቋረፅኩም ፀልዩ።

ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” ሓያል ኣምላኽ።

መንፈስ እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን፥ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፥ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ክሕጐስ እዩ።

ብሓቂ ጥበብ ዓው ኢላዶ ኣይትፅውዕን? ፍልጠትከ ድምፃዶ ኣይተስምዕን? ኣቱም ሰባት፥ ንኣኻትኩም እየ ዝፅውዐኩም ዘለኹ፤ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘለኹ። ኣቱም ዓያሹ ፍልጠት ተምሃሩ፤ ኣቱም ሰነፋትውን ኣስተውዕሉ። ክቡር ነገር ክዛረብ እየ እሞ ስምዑ፤ ከናፍረይውን ቅኑዕ ነገር ንምንጋር ክኸፍት እየ። ምኽርን ቅኑዕ ፍርድን ናተይ እዮም፤ ምስትውዓል ኣነ እየ፤ ሓይልውን ኣለኒ።

እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።

ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤ ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ