6 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 7 ሕዳር: እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን (ዳዊት 34:8)
ዕለታዊ ብርሃን
ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
ዳዊት 107:8
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
ዳዊት 34:8
ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ።
ዳዊት 31:19
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
ኢሳይያስ 43:21
ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና። እዙይ ከዓ፥ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ፀጋ፥ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ። ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፥ ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን፥ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት፥ ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሄር፥ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና።
ኤፌሶን 1:5–6, 12
ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ!
ዘካርያስ 9:17
እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ። ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ስራሕኻ የመስግነካ፤ ቅዱሳንካውን ይባርኹኻ። ክብሪ መንግስትኻ ይነጋገሩ፤ ሓይልኻውን ይናገሩ። ሓይልኻን ክብሪ መንግስትኻን፥ ንደቂ ሰባት ምእንቲ ኸፍልጡ እዩ።
ዳዊት 145:9–12
እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም።
ያእቆብ 5:11
እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር። ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ። እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
ሮሜ 5:3–5
ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።
ዕብራውያን 12:11
ኣሕዋተይ፥ ዝተፈላለየ ፈተና ኽበፅሐኩም እንተሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍፀርዎ። እምነትኩም እንትፍተን፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ። ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ እታ ትዕግስቲ ፍፁም ግብሪ ይሃልዋ።
ያእቆብ 1:2–4
እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።
ያእቆብ 1:12
ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። ... ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:9–10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 ሕዳ 2025
ዘፀኣት 30:23 · ዘፀኣት 30:25
4 ሕዳ 2025
1ይ ጴጥሮስ 1:6 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
3 ሕዳ 2025
ሆሴዕ 14:9 · 1ይ ጴጥሮስ 2:7–8
2 ሕዳ 2025
1ይ ተሰሎንቄ 5:15 · 1ይ ጴጥሮስ 2:21–23
1 ሕዳ 2025
ምሳሌ 8:34 · ዳዊት 123:2
31 ጥቅ 2025
ዘካርያስ 4:6 · ኢሳይያስ 40:13






