እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ንጽልዋታት መትከላትን ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተነጻጽር፦ «እቲ ፊደል ይቐትል፡ እቲ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ» (ቊ. 6)። ይኹን እምበር፡ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ንፊደል ሕጊ ምስ ተቐበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምህላዉ ዘደንቕ ጽልዋ ረኸበ፦ ገጹ ኣንጸባረቐ (ቊ. 7፤ ዘጸ. 34:30 ርአ)።
እቲ ሃዋርያ፡ ነዚ ተጠቒሙ፡ ንጽልዋ ኣገልግሎት ጸጋ—መርህ ሓድሽ ኪዳን—ኣባና ሎሚ የርኢ። ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ምስ እስራኤልን ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ክገብር እዩ (ኤር. 31:31)፡ እቶም ብጐይታ የሱስ ዝኣምኑ ግና ኣብኡ ዘሎ ምልኣት ጸጋ ይረኽቡ ኣለዉ (ዮሃ. 1:16)።
ገጽ ሙሴ ብኣካላውን ግዝያውን መገዲ ኣንጸባረቐ፡ ንህዝቢ ኺዛረብ ከሎ ግና፡ ምኽንያቱ ኺቐርብዎ ስለ ዘፍርሖም፡ ነዚ ብመጋረጃ ኺሓብኦ ነበሮ (ዘጸ. 34:33)። ብኣንጻር ክብሪ ሕጊ፡ እቲ ዝጠፍአ፡ ክብሪ ጸጋ ናይ ውሽጢ ነገር እዩ፡ ከምኡ’ውን ማራኽን ወሳኽን እዩ።
ጳውሎስ ነዚ ኣብ ቊጽሪ 18 ይገልጾ። ንጐይታ የሱስ ኣብቲ ሕጂ ኣብ ክብሪ ዘለዎ ቦታ ኸም እንሕዞ መጠን፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ንልወጥ፡ ከምኡ’ውን ከምኡ ንኸውን፦ «ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ።» ንሱ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ማራኺ ምስሊ፡ ንልብና ጽቡቕ ዕላማ እዩ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ውሽጥና ምስኡ ዚሰማማዕ ለውጢ ዚገብር ሓይሊ እዩ።
ጳውሎስ «ንሕና ዅላትና» ኢሉ ጸሓፈ፡ ምኽንያቱ እዚ ንቡር እዩ እምበር፡ ልዕለ-መንፈሳዊ ክርስትና ኣይኰነን። ሓደ መዓልቲ ዅላትና ብዅሉ መዳይ ከምኡ ኽንከውን ኢና፡ «ምኽንያቱ ኸምቲ ዘሎ ኸምኡ ኽንርእዮ ኢና» (1 ዮሃ. 3:2)፡ ግናኸ ነዚ ሕጂ ብሞራላዊ መገዲ ብምሕባር ምስኡ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና። ኣብ ገጹ መጋረጃ የብሉን ከምቲ ኣብ ገጽ ሙሴ ዝነበረ፡ ካብ መዝሙር መሓሙራት ቃላት ንምውሳድ ድማ፡ ናብኡ ኽንጥምቶ ይዕድመና፦ «ገጽካ ርአየኒ» (2:14)።




