5 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 6 ለካቲት: ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን
ዕለታዊ ብርሃን
ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።
1ይ ጢሞቴዎስ 1:14
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
2ይ ቆሮንቶስ 8:9
ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
ሮሜ 5:20
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ። ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
ኤፌሶን 2:7, 9
ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
ገላትያ 2:16
ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና። ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
ቲቶ 3:5–6
እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ በለ።
ራእይ 22:16
ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ።
ዘሑልቍ 24:17
ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
ሮሜ 13:12
መዓልቲ ኽሳዕ ዝድህር፥ ፅላሎት ድማ ኽሳዕ ዝሃድምስ፥ ኣታ ፍቱወይ ተመለስ፤ ከምተን ኣብ እምባታት ዘለዋ ሜዳቛት፥ ወይ ከም ብተይ ሰስሓ ምሰል።
መሃልየ 2:17
ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ። እቲ ሓላዊ ድማ “ክወግሕ እዩ፤ ግና መሊሱ ኽመሲ እዩ። ክትጥይቑ እንተ ደሊኹም ከዓ ተመሊስኩም ንዑ በለ።
ኢሳይያስ 21:11–12
እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር።
ዮሃንስ 8:12
ኮኸብ ፅባሕውን ክህቦ እየ።
ራእይ 2:28
ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን። ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ። እቲ በዓል ገዛ ... እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
ማርቆስ 13:33–37
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ4 ለካ 2026
ዘዳግም 17:16 · ዕብራውያን 11:15–16
3 ለካ 2026
ሓጌ 2:4 · ዮሃንስ 15:5
2 ለካ 2026
1ይ ዜና 4:10 · ሉቃስ 22:46
1 ለካ 2026
1ይ ጴጥሮስ 1:8 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:7
31 ጥሪ 2026
ዘሑልቍ 33:55 · 1ይ ጢሞቴዎስ 6:12
30 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 12:1–2 · ሉቃስ 9:23






