31 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 1 ለካቲት: ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም
ዕለታዊ ብርሃን
ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም።
1ይ ጴጥሮስ 1:8
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:7
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 4:19
ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 4:16
ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።
ኤፌሶን 1:13
እግዚኣብሄር ነዚኣቶም፥ እዝ ምስጢር እዙይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፥ ሃብቲ ኽብሩ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ከፍልጦም መረፀ። እዝ ምስጢር ከዓ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
ቈላስይስ 1:27
ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:20
ኢየሱስ ድማ ንቶማስ “ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ፥ ብፁኣን እዮም” በሎ።
ዮሃንስ 20:29
ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤ ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም።
ዳዊት 2:12
ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።
ኤርሚያስ 23:6
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ።
ኢሳይያስ 64:6
ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣቱ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ።
ዳዊት 71:16
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ኢሳይያስ 61:10
ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ።
ሉቃስ 15:22
ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
ራእይ 19:8
ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ... ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:8–9
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ30 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 12:1–2 · ሉቃስ 9:23
29 ጥሪ 2026
ዘፍጥረት 16:13 · ዳዊት 139:1–4
28 ጥሪ 2026
ዘዳግም 33:25 · ማርቆስ 13:11
27 ጥሪ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:5 · ዕብራውያን 1:1–3
26 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 13:13–14 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
25 ጥሪ 2026
ሮሜ 3:22 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:21






