ዕለታዊ ብርሃን, 26 ጥሪ: እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን (1ይ ዮሃንስ 3:2)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ። ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።

ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።

ኣብ ምፅንናዕናውን ከም እትካፈሉ ስለ እንፈልጥ፥ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ፅንዕቲ እያ።

ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም።

ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።

ብሓጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ፥ ምስ ህዝቢ እግዚኣብሄር መከራ ኽቕበልውን መረፀ። ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።

መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ። ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንላዕሊ፥ ርሱን ወርቂ ዝሕብሩ፥ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዙርያኡን ረአኹ፤ ካብቲ ሕቘኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸዓ ኸም ሓዊ ዝትርኢቱ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያኡውን ፃዕዳ ነበረ። ... ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ።

ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።

እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።

ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን።

መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።