እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበየ መዓልቲ በጺሑ ነበረ! እስራኤል፡ ዮርዳኖስ ኩሉ ገማግሙ እናፈሰሰ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰጊራቶ ነበረት። ብትእዛዝ ኣምላኽ፡ እቲ ብኣካይድ ካህናት ዝተሰከመ ታቦት፡ ቅድሚ ህዝቢ ብርሑቕ 2000 እመት ሓሊፉ ነበረ። እቶም ካህናት ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑን ናብ ገማግሙ ምስ ኣተዉን፡ እቲ ካብ ላዕሊ ዝወርድ ዝነበረ ማይ ደው ኢሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ርሑቕ ብዝበለ ቦታ ከም ክምቢ ደሪቡ ነበረ፡ በዚ ድማ ኩሉ እስራኤል ብንቑጽ ምድሪ ሰጊሩ ነበረ።
ህዝቢ እስራኤል ነዚ ግሩም ፍጻሜ እዚ ፈጺሙ ክርስዖ የብሉን! ኣምላኽ ንእያሱ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሰብ፡ ካህናት ምስ ታቦት ኣብ ማእከል ሩባ ደው ኢሎም ካብ ዝነበሩሉ ቦታ ሓንቲ እምኒ ከልዕል ኣዘዞ። እዘን ኣእማን እዚኤን፡ እስራኤል በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ዝሓድርሉ ቦታ መዘከርታ ኾይነን ክኽመራ ነበረን። ኣምላኽ፡ ኣብ ዝመጽእ እዋን ቈልዑ ነዚ ክምቢ ኣእማን እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ክሓቱ ከም ዝኾኑ ይጽበ ነበረ። ወለዶም ድማ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ብኸመይ ገይሩ ነቲ ሩባ ኣሳጊሩ ናብ ምድሪ ከም ዘእተዎም ክነግሩዎም ነበሮም።
እዚ ንኣና እውን ክዛረበና ይግባእ። ንሕና ንደቅና ብዛዕባ ዓብዪ ምድሓን ኣምላኽ፡ ጎይታ የሱስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ብዝፈጸሞ ዕዮ ብኸመይ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዘምጽኣና ምንጋር ኣገዳሲ እዩ። ዕዮኡ ኩሉ ሳዕ ኣብ ኣእምሮና ሓድሽ ኮይኑ ክነብር ይግባእ።
ካህናት ካብቲ ሩባ ቅድሚ ምውጻኦም፡ ኣብ ዝነበሩሉ ቦታ ዓሰርተ ክልተ ኣእማን እውን ተተኺለን ነበራ። እዘን እምኒ እዚኤን ብሰብ ኣይረኣያናን፡ ግናኸ ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ክርኣያ እየን። ዕዮ ጎይታ የሱስ ኩሉ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ እዩ። ንእኡ ኩሉ ሳዕ ክቡር ክኸውን እዩ። ንዕኡ ብኣምልኾና ከነዘኻኽሮ ምስማዕ እውን ባህ የብሎ።




