ናይ ሎሚ ጥቕስታት ብዛዕባ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ሊቀ ኻህናትና ዕዮ ይሕብሩና። ሕጂ፡ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተሰቕለን ዝሞተን፡ እንደገና ስለ ዝተንስአን ናብ ላዕሊ ሰማያት ስለ ዝዓረገን፡ ንድኻምና ኺርሕርሓልና ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸሎ፡ ንሕና ኽንፍተነሉ እንኽእል ኣብ ኩሉ መዳይ ተፈቲኑ እዩ። ግናኸ እቲ ጸሓፊ ኣብዚ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝርዝር ይውስኽ፡ ንሱ ብዘይ ሓጢኣት ነበረ። ጐይታና ሓጢኣት ከም ዘይፈልጥ (2 ቈረ. 5:21)፡ ሓጢኣት ከም ዘይገበረ (1 ጴጥ. 2:22)፡ ኣብኡ ድማ ሓጢኣት ከም ዘይነበረ (1 ዮሃ. 3:5) ተነጊሩና ኣሎ። ንሱ ፍጹም፡ ብዘይ ሓጢኣት ዝኾነ መስዋእቲ ሓጢኣት ነበረ! ይኹን እምበር፡ ከም ሰብ መጠን ኣብቲ ኣብዛ ህይወት እዚኣ እንረኽቦ ስቓይ ኪኣቱ ይኽእል እዩ። ንድኻምና ስለ ዚርድኦ፡ ከምኡውን ንሱ ብዘይ ሓጢኣት ዝኾነ መስዋእቲ ሓጢኣት ስለ ዝነበረ፡ ምሕረት (ፍቕራዊ ደግነት ኣምላኽ) ንምርካብን ጸጋ (ዘይግብኣና ሞገስ ኣምላኽ) ኣብ ዝፋን ጸጋ ንምርካብን ናብኡ ኽንመጽእ ንኽእል ኢና!
እዚ እኹል እንተ ዘይከውን፡ እብራውያን 7:25 ነዚ ብሩኽ ሊቀ ኻህናት ንኣና ኺልምን ንሓዋሩ ህያው ምዃኑን ናብ ኣምላኽ ንዚመጹ ኽሳዕ መወዳእታ ኼድሕን ከም ዚኽእልን የዘኻኽረና!
ኣብ ክብርን ኪሕግዘናን ኪርሕርሓልናን ኪልምንልናን ዚኽእል ሰብ ከም ዘሎ ምፍላጥ ክንደይ ዘተባብዕ እዩ። ክንደይ መሓርን ርሕሩሕን ሊቀ ኻህናት! ነዚ ግሩም ምንጪ ሓይልን ብርታዐን ንዝመጽእ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ንጥቀመሉ ንኹን!




