18 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 19 ጥሪ: እቲ ኻባኻትኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን
ዕለታዊ ብርሃን
ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ።
ግብሪ ሃዋርያት 20:19
እቲ ኻባኻትኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ሓሽከርኩም ይኹን። ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን በሎም።
ማቴዎስ 20:26–28
ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል።
ገላትያ 6:3
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
ሮሜ 12:3
ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ’ በሎም።”
ሉቃስ 17:10
ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ... በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:12
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:7
ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ።
ኢሳይያስ 53:6
ወይኒ ኸዓ ተኸለ። ካብቲ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ።
ዘፍጥረት 9:20–21
ንሰበይቱ ሶራ እንሆ ... እምበኣር ንኣኺ ኽብሉ ብፅቡቕ ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ኣነ ድማ ብኣኺ ምእንቲ ኽድሕንስ።
ዘፍጥረት 12:11, 13
ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ “ወደይ! ... “ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ ኢሉ መለሰሉ።
ዘፍጥረት 27:21, 24
ሙሴውን ካብኣቶም ዝተልዓለ ተቘጥዐ። ... ብኸናፍሩ ስንፍና ተዛረበ።
ዳዊት 106:32–33
ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን። ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ።
ኢያሱ 9:14–15
ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዝገበረ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኦርዮ ኬጢያዊ ነገር፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣየግለሰን ነበረሞ።
1ይ ነገስት 15:5
እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ፥ ብዘይ ብኣና ናብ ፍፃሜ ምእንቲ ኸይበፅሑ፥ እዚኣቶም ኵላቶም።
ዕብራውያን 11:39
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።
ሮሜ 3:24
እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ኢሳይያስ 53:6
ኣቱም ቤት እስራኤል እዙይ ምእንታኻትኩም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፥ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፤ ብሰንኪ መንገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕዝቅኤል 36:32
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 38:17 · 1ይ ዮሃንስ 4:9–10
16 ጥሪ 2026
ቈላስይስ 1:19 · ዮሃንስ 3:35
15 ጥሪ 2026
ዳዊት 119:25 · ቈላስይስ 3:1–3
14 ጥሪ 2026
ዮሃንስ 14:28 · ሉቃስ 11:2
13 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 26:3 · ዳዊት 55:22
12 ጥሪ 2026
ይሁዳ 25 · 1ይ ቆሮንቶስ 1:30






