15 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 16 ጥሪ: ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር (ቈላስይስ 1:19)
ዕለታዊ ብርሃን
ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ።
ቈላስይስ 1:19
ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።
ዮሃንስ 3:35
ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።
ፊልጵስዩስ 2:9–11
ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ።
ኤፌሶን 1:21
ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፥ ዝረአን ዘይረአን፥ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፥ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፥ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፥ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ።
ቈላስይስ 1:16
ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን።
ሮሜ 14:9
ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።
ቈላስይስ 2:10
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ።
ዮሃንስ 1:16
እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን፥ ነዝ ዘሎን፥ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ።
ራእይ 1:19
ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።
2ይ ጴጥሮስ 1:21
ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:3
ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም። እዙይ ኢሉ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
ሉቃስ 24:39–40
እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ።
ዮሃንስ 19:35
ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።
2ይ ጴጥሮስ 1:16
እዙይ ከዓ፥ እምነትኩም፥ ኣብ ሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር፥ ኣብ ጥበብ ሰብ፥ ዝተመስረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 2:5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ14 ጥሪ 2026
ዮሃንስ 14:28 · ሉቃስ 11:2
13 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 26:3 · ዳዊት 55:22
12 ጥሪ 2026
ይሁዳ 25 · 1ይ ቆሮንቶስ 1:30
11 ጥሪ 2026
ዳዊት 65:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 8:6
10 ጥሪ 2026
1ይ ተሰሎንቄ 5:23 · ኤፌሶን 5:25
9 ጥሪ 2026
ዳዊት 60:4 · ኢሳይያስ 59:19






