12 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 13 ጥሪ: በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ
ዕለታዊ ብርሃን
በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ።
ኢሳይያስ 26:3
ትካዘካ ኣብ እግዚኣብሄር ደርቢ፤ ንሱውን ኽድግፈካ እዩ፤ ነቲ ፃድቕ ንዘለኣለም ሁከት ኣይህቦን።
ዳዊት 55:22
ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
ኢሳይያስ 12:2
ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ? በሎም።
ማቴዎስ 8:26
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:6–7
ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ኢሳይያስ 30:15
ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።
ኢሳይያስ 32:17
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
ዮሃንስ 14:27
ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን፥ ካብቲ ኻብ ሞት ብምትሳእ በዅሪ ዝኾነን፥ እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ።
ራእይ 1:4
ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም።
ኤፌሶን 4:26
“ሓውካ እንተ በደለካ፥ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ። ... ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።”
ማቴዎስ 18:15, 21–22
ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ።
ማርቆስ 11:25
እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ። ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
ቈላስይስ 3:12–13
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ኤፌሶን 4:32
ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ።
ሉቃስ 17:5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 ጥሪ 2026
ዳዊት 65:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 8:6
10 ጥሪ 2026
1ይ ተሰሎንቄ 5:23 · ኤፌሶን 5:25
9 ጥሪ 2026
ዳዊት 60:4 · ኢሳይያስ 59:19
8 ጥሪ 2026
ዳዊት 9:10 · ምሳሌ 18:10
7 ጥሪ 2026
ነህምያ 5:19 · ኤርሚያስ 2:2
6 ጥሪ 2026
ዳዊት 90:17 · ሕዝቅኤል 16:14






