11 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 12 ጥሪ: ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ (ይሁዳ 1:25)
ዕለታዊ ብርሃን
ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ይሁዳ 1:25
ብእግዚኣብሄር ይመካሕ ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 1:30
“ንዕሙቕ ነገራት እግዚኣብሄር ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ? ንምልኣት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ? ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፤ እንታይ ክትገብር ትኽእል? ካብ ሲኦልውን ይዓምቝ፤ እንታይ ክትፈልጥ ትኽእል?
ኢዮብ 11:7–8
ንሕናስ፥ እቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ፥ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ንዝኾነ፥ ጥበብ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ።
1ይ ቆሮንቶስ 2:7
ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ። እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 3:9–10
ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።
ያእቆብ 1:5
እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።
ያእቆብ 3:17
ምስ ደቀስኩ ‘መኣዝ ኮን ክትስእ እየ?’ እብል።
ኢዮብ 7:4
ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ተዳመፀኒ። እቲ ሓላዊ ድማ “ክወግሕ እዩ።
ኢሳይያስ 21:11–12
“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ።
ዕብራውያን 10:37
ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥ ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል።
2ይ ሳሙኤል 23:4
ኣይምበልኩኹምን ነይረ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ። ... ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን። ‘ኣነ ክኸይድ እየ፤ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ’ ዝበልኩኹም፥ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
ዮሃንስ 14:2–3, 27–28
ኦ እግዚኣብሄር! ኵሎም ፀላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፤ እቶም ዝፈትዉኻ ግና፥ ከም ፀሓይ፥ ከምቲ ፀሓይ ብሓይላ ኽትወፅእ እንተላ ዝኸውን።
መሳፍንት 5:31
ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።
1ይ ተሰሎንቄ 5:5
ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።
ራእይ 21:25
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ10 ጥሪ 2026
1ይ ተሰሎንቄ 5:23 · ኤፌሶን 5:25
9 ጥሪ 2026
ዳዊት 60:4 · ኢሳይያስ 59:19
8 ጥሪ 2026
ዳዊት 9:10 · ምሳሌ 18:10
7 ጥሪ 2026
ነህምያ 5:19 · ኤርሚያስ 2:2
6 ጥሪ 2026
ዳዊት 90:17 · ሕዝቅኤል 16:14
5 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 4:3 · ኤርሚያስ 9:5





