ዕለታዊ ብርሃን, 11 ጥሪ: ኦ ጐይታ፥ ኣብ ፅዮን ምስጋና ንኣኻ ይግባእ (ዳዊት 65:1)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ኦ ጐይታ፥ ኣብ ፅዮን ምስጋና ንኣኻ ይግባእ።

ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።

ኵሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ፥ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ፥ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ እምበር፥ ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን።

እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።

መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።

እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ። ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ፥ “ምድሓን፥ ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን፥ ናይቲ በጊዕን እዩ” እናበሉ፥ ድምፂ ኣስምዑ። ከምዙይ ከዓ ይብሉ ነበሩ፦ “ኣሜን፥ ውዳሴን፥ ግርማን፥ ጥበብን፥ ምስጋናን፥ ክብርን፥ ስልጣንን፥ ሓይልን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፤ ኣሜን።”

ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዘድሕና።

ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።

ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ?

ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።

እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”

ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ። እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።

ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ