7 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 8 ጥሪ: ኦ ጐይታ፥ ኵሎም እቶም ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይተኣመኑ
ዕለታዊ ብርሃን
ኦ ጐይታ፥ ኵሎም እቶም ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይተኣመኑ፤ ነቶም ዝደልዩኻውን ኣይትሓድጎምን ኢኻሞ።
ዳዊት 9:10
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
ምሳሌ 18:10
ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
ኢሳይያስ 12:2
ጐበዝኩ፤ ኣረግኩውን፤ ፃድቅ እንትድርበ፥ ዘርኡውን እንጀራ እንትልምን ኣይረአኹን።
ዳዊት 37:25
እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥ ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ይሕልዎም፤ ንንፁሃን ከዓ ይብቀለሎም፤ ዘርኢ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
ዳዊት 37:28
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።
1ይ ሳሙኤል 12:22
ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 1:10
ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ። ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? ንብል።
ዕብራውያን 13:5–6
ነውሪ እውን የብሎምን።
ራእይ 14:5
በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”
ኤርሚያስ 50:20
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።
ሚክያስ 7:18–19
ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 1:6
ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።
ቈላስይስ 1:22
ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥ ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።
ይሁዳ 1:24–25
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ6 ጥሪ 2026
ዳዊት 90:17 · ሕዝቅኤል 16:14
5 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 4:3 · ኤርሚያስ 9:5
4 ጥሪ 2026
ዘዳግም 12:9 · ሚክያስ 2:10
3 ጥሪ 2026
ዳዊት 107:7 · ዘዳግም 32:10–12
2 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 42:10 · ዳዊት 81:1–2
1 ጥሪ 2026
ፊልጵስዩስ 3:13–14 · ዮሃንስ 17:24





