2 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 3 ጥሪ: ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ
ዕለታዊ ብርሃን
ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ።
ዳዊት 107:7
ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ። ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም። እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም።
ዘዳግም 32:10–12
ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤ ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤ ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ፤ ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ።
ኢሳይያስ 46:4
ንነፍሰይ መለሳ፤ ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ። ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ፤ በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን።
ዳዊት 23:3–4
እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።
ኢሳይያስ 58:11
እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።
ዳዊት 48:14
ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ?
ኢዮብ 36:22
እቲ ዕዉር ከዓ “ጐይታ! ኣዒንተይ ክሪኣ” በለ።
ሉቃስ 18:41
ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።
ዳዊት 119:18
ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።
ሉቃስ 24:45
እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም።
ዮሃንስ 14:26
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ።
ያእቆብ 1:17
ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም፥ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፥ ናይቲ ዝፀውዐኩም ተስፋ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንቕዱሳን ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ፥ ክንደየናይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ፥ እፅሊ ኣለኹ። ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ፥ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ሓይሉ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እፅሊ ኣለኹ። እዝ ኣባና ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸዓ።
ኤፌሶን 1:17–19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ጥሪ 2026
ፊልጵስዩስ 3:13–14 · ዮሃንስ 17:24
31 ታሕ 2025
ዘዳግም 1:31 · ዘፀኣት 19:4
30 ታሕ 2025
1ይ ቆሮንቶስ 1:8 · ቈላስይስ 1:21–23
29 ታሕ 2025
ኤፌሶን 5:17 · 1ይ ተሰሎንቄ 4:3
28 ታሕ 2025
ማርቆስ 2:5 · ኤርሚያስ 31:34
27 ታሕ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 4:18 · ዕብራውያን 13:14






