27 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 28 ታሕሳስ: ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?
ዕለታዊ ብርሃን
ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ በሎ።
ማርቆስ 2:5
ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኤርሚያስ 31:34
ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ? እናበሉ ይሓስቡ ነበሩ።
ማርቆስ 2:7
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
ኢሳይያስ 43:25
ሓጢኣቱ ዝተሓደገሉ፥ ኵሉ በደሉውን ዝተኸደነሉ ብፁእ እዩ። እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥ ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
ዳዊት 32:1–2
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ።
ሚክያስ 7:18
ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ኤፌሶን 4:32
ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ። ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:7–9
ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፥ ከምኡ ንበደልና ኻባና ኣርሓቖ።
ዳዊት 103:12
ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፥ ሓጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ። ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
ሮሜ 6:14, 18
ንኢየሱስ ክንሪኦ ንደሊ ኣለና ኢሎም ለመንዎ።
ዮሃንስ 12:21
ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
ኢሳይያስ 26:8
እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ።
ዳዊት 145:18
ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ማቴዎስ 18:20
“ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።
ዮሃንስ 14:18
ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ማቴዎስ 28:20
በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ። ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ።
ዕብራውያን 12:1–2
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 13:12
ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።
ፊልጵስዩስ 1:23
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና። ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዝገብር፥ ከምቲ ንሱ ንፁህ ዝኾነ፥ ንባዕሉ የንፅህ።
1ይ ዮሃንስ 3:2–3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 ታሕ 2025
1ይ ቆሮንቶስ 15:58 · 1ይ ቆሮንቶስ 15:58
25 ታሕ 2025
ቲቶ 3:4 · ኤርሚያስ 31:3
24 ታሕ 2025
ሮሜ 8:13 · ገላትያ 5:19
23 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 27:5 · ኤርሚያስ 29:11
22 ታሕ 2025
1ይ ተሰሎንቄ 1:3 · ዮሃንስ 6:29
21 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 60:20 · ዮሃንስ 16:33






