20 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 21 ታሕሳስ: ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን
ዕለታዊ ብርሃን
ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
ኢሳይያስ 60:20
ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም።
ዮሃንስ 16:33
ምሳና ኾይኑ ቅልውላው ሒዝዎ፥ ክሳዕ ሕዚ ይግዕር ከም ዘሎ፥ ንፈልጥ ኢና። ፍጥረት ጥራሕውን ኣይኮነን። ንሕና፥ ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን፥ ናይ ስጋና ምድሓን ዝኾነ፥ መሰል ውሉድነት እናተፀበና፥ ብውሽጥና ንግዕር ኣለና።
ሮሜ 8:22–23
ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ፥ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳዕ ዘለና፥ ከቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ እቲ መዋታይ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽወሓጥ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:4
ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም። ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ። ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ። እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።
ራእይ 7:14–17
ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ? በልዎ።
ማርቆስ 4:38
እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ።
ዳዊት 145:9
ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።
ዘፍጥረት 9:3
ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።
ዘፍጥረት 8:22
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
ናሆም 1:7
ኣምላኽ ከዓ ድምፂ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንኣጋር “ኣጋር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እግዚኣብሄር ድምፂ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ እንተሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ። እግዚኣብሄር ድማ ዓይና ኸፈተላ፤ ማይ ዘለዎ ዒላውን ረአየት። ከይዳ ኸዓ ነቲ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ።
ዘፍጥረት 21:17, 19
እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? ... ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።
ማቴዎስ 6:31–32
በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 ታሕ 2025
ዳዊት 112:4 · ኢሳይያስ 50:10
18 ታሕ 2025
ዕብራውያን 4:16 · ፊልጵስዩስ 4:6–7
17 ታሕ 2025
ዳዊት 80:18 · ዮሃንስ 6:63
16 ታሕ 2025
ዮሃንስ 13:1 · ዮሃንስ 17:9–10
15 ታሕ 2025
ገላትያ 6:2 · ፊልጵስዩስ 2:4–5
14 ታሕ 2025
ዳዊት 66:2 · ኢሳይያስ 43:21






